ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ኦነግ ስልጠና ኣብ ዝወስዱ መዓስከር ብዘጋጠመ ምስሕሓብ ክልተ ሰባት ምቁሳሎም ተገሊጹ


ሰራዊት ኦነግ

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ስልጠና ይወስዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ብምልዓሎም ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ኦነግ ጉድኣት ምውራዱ ተፈሊጡ።

ኣብ ኣርዳይታ ማእኸል መሰልጠኒ ኣትዮም ስልጠና ካብ ዝከታተሉ ኣባላት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እቲ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቡ መልሲ ንምርካብ ኮፍ ኢሎም እናተፀበዩ ከለው ሓደ ሰብ ቪዲዮ ምቕዳሕ ብምጅማሩ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብን ግጭትን፣ፖሊስ ነቲ ግጭት ንምቁፅፃር ናይ ትኪ ቦምብ ከምዝተኮሰን ብሰንኪ እዚ ክልተ ሰባት ከምዝቖሰሉን ይገልፁ።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ እቲ ኩነታት ናብ ሰላም ምምላሱን ስልጠና ወዲኦም ኣብ ቀረባ ከምዝወፁን ገሊፆም ኣለው።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG