ዋሽንግተን —
ኣባላት ሰራዊት ጊኒ፡ ዕልዋ ፈጺምና ንፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ኣብ ቀይዲ ኣእቲና ይብሉ`ለዉ። ንናይ መሬትን ኣየርን ዶባት ብምዕጻው ድማ ሕላፍ ሰዓት ከምዝኣወጁ ብተለቪዥን ወጺኦም ተዛሪቦም ኣለዉ። ድሓር ግን ዶባት ከምዝኸፈቱ`ውን ይግለጽ ኣሎ።
ድሕሪ ሰዓታት ድማ ፕረሲደንት ኮንደ፡ ብፍሉያት ሓይልታት ተኸቢቡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኮፍ ኢሉ ይርኣይ ኔሩ። እቶም ኣባላት ዕልዋ ኣብ መግለጺኦም እቲ ወዲ 83 ዓመት ኣልፋ ኮንደ ጉድኣት ኣይወረዶን ምስ ዶክተራቱ`ውን ክራኸብ ይኽእል`ዩ ኢሎም ኔሮም። ኣልፋ ኮንደ ንሕገ-መንግስቲ ጊኒ ብምምሕያሽ ንሳልሳይ ግዜ ምርጫ ስዒሩ `ዩ።
ኣብ ተለቪዥን ወጺኡ ዝተዛረበ ኮሌኔል፡ ድሕሪ ደጊም ፖለቲካ ሃገር ብሓደ ሰብ ጥራይ ዝውሰነሉ እዋን ኣብቂዑ`ዩ ክብል ተዛሪቡ ኔሩ።