ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አርበኞች ግንቦት 7 ፓርቲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ትኹረት ዝወሃቦ ምስፋን ሰላምን ምርግጋእን ሃገር እዩ ኢሉ ኣርበኞች 7 ግንቦት።ነዚ ንምርግጋፅ እውን ምስቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከምዝሰርሕ መራሒ ናይቲ ምንቅስቓስ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።እቲ ምንቅስቓስ ፓርቲ ንምምስራት ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ’ሎ።

ኣርበኞች ግንቦት 7 ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኣኼባ ንመጻኢ ብዛዕባ ዝምስርቶ ፓርቲ መብርሂ ሂቡ’ሎ።ኣቦ መንበር እቲ ምቅስቓስ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ናይቲ ዝምስረት ፓርቲ ሪኢዮተ ዓለማዊ ዓምዲ ኣብ ዜግነት ዝተመስረት ዴሞክራሲ ናይ ፖለቲካ ስርዓትን ፍትሓዊ ቁጠባዊ ሃብቲ ዝሰፈነሉ ማሕበረሰብ ምውዳብን እዩ ኢሎም።

ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ስእነት ሰላም ዝተኣሳሰረ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረብ ሕቶ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ መልሲ ሂቦም ኣለው።

“ንሕና ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ድሕሪ ሎሚ ከምዚ ዝበለ ግጭት እናፈጠሩ እታ ሃገር ንኸይትረጋግእ ዝፍትኑ ሓይልታት እንተድኣ ሃሊዮም ምስቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ፣ምስ እኒ ኣብይ ኮይንና ክንገብሮ ዘለና ገይርና ንሰላም ምርግጋፅ እዩ።ከምኡ ከም እንገብር ክንድ ፍረ እውን ከይትጠራጠሩ።”

ንዓና ቅድሙ ኩሉ ውድብ ከይኮነስ ሃገር እዩ ዝበሉ ንሶም ናይ መጀመሪያ ስራሕና ምርግጋእን ምስፋን ሰላምን እዩ ኢሎም።

ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ብወገኖም ኣብ መስርሕ ምስረታ ዝርከብ ሓድሽ ፓርቲ መሰረት ካብ ወረዳ ከምዝጅምርን ዝኾነ ይኹን መራሒ ናይዚ ፓርቲ ብደረጃ ወረዳ ካብ ዝርከቡ ኣባላት ፓርቲ ተመሪፁ ዝመፅእን ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ኣቶ ኣንዳርጋቸው ብደረጃ ወረዳ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ብምሓዝ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ከይመፅእ ዝገብሩ ዘለው ኣካላት ዶ/ር ኣብይ ከይኮኑስ ንሕና ኢና ንቕይሮም ኢሎም ።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ካብ ተሳተፍቲ ንዝተልዓለ ሕቶ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ተግባር ልዕሊ ምክርኻር ታሪኽ እዩ ኢሎም።

“ኢትዮጵያ ሓድነታ ሓሊያ ዴሞክራሲያዊት ኮይና እትነብር ሃገር ምግብር እዩ።ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ሓደ ምእቲ ዓመት እዩ ዝብል ሰብ ይኺድ’ሞ ምስ ምሁር ታሪኽ ይከራኸር።ናትና ጉዳይ ንሱ ኣይኮነን።ናትና ጉዳይ እዛ ሃገር እዚኣ ዴሞክራሲያዊት ገይርና ምሕላፍን ንደቅና ምርካብን እዩ።ካብዚ ንድሓር ንድሕሪት እናርኣና ክንስሓሓብ ኣይንነብርን።”

ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣዚዩ ብዙሕ ህዝቢ ተረኺቡ ከምዝነበረ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

አርበኞች ግንቦት 7 ፓርቲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:35 0:00

XS
SM
MD
LG