ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አርበኞች ግንቦት 7 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ ዕጡቓት አባላቱ ናብ ካምፕ ከምዝኣትው ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ቓልሲ ዝተፈጥረ ምቹእ ኩነታት ከይቕልበስ ምስ ሓይልታት ለውጥን ንሰላም ደው ምስ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ተቐናቐንቲ ውድባትን ብፅንዓት ደው ክንብል ኢና ክብል ኣርበኞች ግንቦት 7 ሎሚ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ካብ መንግስቲ ብዝቐረበ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሉ ዕጡቓቱ ናብ ካምፕ ከምዘእተው ብምግላፅ ይኹን ደአ እምበር ኩሎም ኣይኣተውን ክብል’ውን እቲ ምንቅስቃስ ሓቢሩ።

ዋና ፀሓፊ ኣርበኞች ሸውዓተ 7 ኣቶ እንዳርጋቸው ፅጌ ካብ ኤርትራ ዝመፁ ካምፕ ከምዝኣተውን ናይ ምጥያስ ስራሕ ግን ገና ከምዘይተሰርሐን ብምግላፅ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ ዕጡቓት ግን መንግስቲ በጀት መዲቡ ናብ ካምፕ ሰለዘየእትዎም እዩ ኢሎም።ሕዚ ግን ካምፕ ስለዝተረኽበ ኣብ በረኻ ዝርከቡ ብምሉኦም ዕጡቓቱ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት መዓልታት ናብ ካምፕ ክኣትው እዮም ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺኢ ናብ ስድርኦም ዝተበተኑ ብዙሓት እንተሃለው እውን ክሳብ ሎሚ ካምፕ ዘይኣተው ኣስታት 550 ዝተዓጥቑ ኣባላቱ ናብ ካምፕ ንምእታው ምስ መንግስቲ ከምዝሰርሕ ወሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG