ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አምነስቲ ኢንተርናሽናል ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ሙሉእ ትግራይ ንክባጻሕ ጸዊዑ


"ናብ ኩሉ ኩርናዓት ክልል ትግራይ ብዘይደረት ሰብኣዊ ቀረባት ንክባጻሕ" ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ይብል አምነስቲ "2.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ህይወት ኣድሕን ህጹጽ ሓገዝ ተጸባዪ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ብሰንኪ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዘንበርዎ ደረትን ምጉታትን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ይባጻሕ የለን" ይብል።

እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሳዓበ፣ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘማሓድር ዝነበረ ፓርቲ ህወሓትን ዝሓለፈ ሕዳር ዝተላዓለ ውግእ ከምዝኾነ’ውን አምነስቲ ጠቂሱ ኣሎ። እቲ ውግእ ሎሚ’ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዞባታት ከምዝቀጸለ ኣምነስቲ ጠቂሱ ኣሎ።

ጭፍጨፋ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት፣ ብኣልማማ ደብዳብ ምፍጻም፣ ከየጻረኻ ምቅታልን ስርቂን ከምዝተፈጸሙ ዝሕብሩ ሓያሎ ጭብጢታት ኣለው ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ልዕሊ 450 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተፈናቀሉ’ውን ገሊጹ።

ክልል ትግራይ መጽለሊ ልዕሊ 96 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝኾነት፣ እንተኾነ፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽመልባን እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር ሓገዝ ምቅራብ ከምዘይተካኣለ፣ ካብ ሕጻጽ ዝሃደመ ሓደ ስደተኛ "ንምንባር ኢልና ቆጽሊ ሸማጢጥና በሊዕና፣ ማይ ካብ ጎዳጉዲ ሰቲና ከምዝበለ" ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም "ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝኣክል ይኣቱ የለን ዝብል መግለጺ፣ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ" ኢሎም። እቶም ወሃቢ ቃል፣ ሰራዊት ዝዕጅበሉ ከባቢታት ኣሎ ከምዝበሉ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG