ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ምስ ፕረ. ደቡብ ሱዳን ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


አማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረአብ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ማያድሪት ኣብ ከተማ ጁባ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም።

ኣቶ የማነ ገብረአብ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተላእኸ መልእኽቲ ንፕረዚደንት ሳልቫኬር ኣረኪቦም።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድናን ዞባዊ ምዕባለታትን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘተኾረ ምዃኑ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ክልቲኦም ወገናት ዝምድና ሃገራቶም ንምሕያል ዘለዎም ድልየት’ውን ኣብቲ ርክብ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG