ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አማኻሪ ቁጠባ ቀ/ሚ ነበር መለስ ዜናዊ ኣቶ ንዋይ ገብረአብ ዓሪፎም


ኣማኻሪ ቁጠባ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ምዕራፎም ቢሮ ርክብ ህዝብ ክልል ትግራይ ዘውፀኦ ሓበሬታ የማላኽት::

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣማኻሪ ስነ ቁጠባ ኮይኖም ዝገልገሉ ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ብዝሓደሮም ሕማም ክትትል ሕክምና ክገብሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም እዮም።

ኣይተ ንዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ቁጠባ ቀዳማይ ሚንስትር መለስ ዜናዊን ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝን ብምዃን ኣገልጊሎም እዮም። ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ካብዚ ዝተጠቐሰ ስራሕ ወፃኢ ኣብ 1970 ኣብ ልምዓት ባንኪ ኢትዮጵያን ኮሚሽን ፕላንን ንነዊሕ ዓመታት ዝገልገሉ ክኾኑ ከለው ዋና ዳይሬክተር ኢንስትትዩት ፅንዓት ልምዓት ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣማኻሪ ብምዃን እውን ሰሪሖም እዮም።

ኣይተ ንዋይ ካብ ዩኒቨርስቲታት ኣዲስ ኣበባ ኦክስፎርድን ፈላማይን ካልኣይን ዲግሪኦም ብዓውዲ ስነ ቁጠባ ምምራቖም ይፍለጥ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

አማኻሪ ቁጠባ ቀ/ሚ ነበር መለስ ዜናዊ ኣቶ ንዋይ ገብረአብ ዓሪፎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:10 0:00


XS
SM
MD
LG