ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ምስ ም/ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ብቴሌፎን ተዘራሪቦም


The White House
The White House

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ቴለፎናዊ ልዝብ አካይዱ።

ብመሰረት ዋይት ሃውስ ሎሚ ሓሙስ ዝዘርገሖ መግለጺ "ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ትማሊ 7 ሚያዝያ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ብተሌፎን ተዘራሪቡ ኣሎ።"

ሚስተር ሱሊቫን፣ ምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ ኩነታትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ።ሚስተር ሱሊቫንን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንንን፣ ነዚ ቕልውላው እዚ ንምፍታሕ ብዛዕባ ክውሰዱ ዘለዎም ኣገደስቲ ስጕምትታት ምዝርራቦም'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ስራሓት ትካላት ግብረ ሰናይ ምስፋሕ፣ ምቁራጽ ውግእ፣ ምውጻእ ግዳማዊ ወተሃደራት ከምኡ'ውን አብ ልዕሊ ዝተፈጸሙ ግፍዕን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ናጻ ምርመራ ንክካየድን ዝብሉ ኣብቲ ርክብ ምልዓሎም'ውን ተሓቢሩ።

ንዶብ ኣል-ፋሻጋን ምስ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያን ዝተተሓሓዘ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክሕግዝ፣ ኣብ መንጎ መራሕቲ’ቲ ዞባ ቐጻሊ ምይይጥ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ እውን ገለጾም።

ሚስተር ሱሊቫን ወሲኹ "ኣሜሪካ ብመሰረት ነዊሕ ዝጸንሐ ሽርክነትናን ዕርክነትናን ተመርኲሳ ኢትዮጵያ ነዚ ቕልውላው እዚ ንኽትፈትሖ ኽትሕግዛ ቅርብቲ ምዃና ኣጕልሑ’ሎ። "

XS
SM
MD
LG