ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አልሸባብ ኣብ ኬንያ ብዘካየዶ መጥቓዕቲ ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ካብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ናብ ሞያሌ ዘምርሕ ዝነበረ ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ስለስተ ሰባት ምሟቶም ወናኒ’ቲ ኣውቶቡስ ዝኾነ ትካል ኣፍሊጡ።

ወናኒ’ቲ ትካል ዝኾነ ሓጂ አባስ ጥርጡራት ኣልሸባብ ዝኾኑ ዕጡቓት ምሉእ ናይ ፖሊስ ክዳን ተኸዲኖም ነታ ኣውቶቡስ ከምዝከበቡን ንተሳፈርቲ ከምዘውረድዎም ይገልጽ። መራሕ መኪናን ተሓጋጋዚኡን ግን ነቲ መንገዲ ኣጸቢቖም ከምዝፈልጥዎም ናይ ፖሊስ ፍተሻ ኣብቲ ቦታ ከምዘየለን ገሊጾም ኣለው።

ንሶም ወሲኾም እቶም ዕጡቓት ናብታ ኣውቶቡስ ብምትኳስ ንመራሕ መኪና ከምዘቁሰሉን እታ መኪና መንገዳ ስሒታ ናብ ጉድጓድ ምእታዋን ሓቢሮም። ቀጺሎም ንተሳፈርቲ ብምውራድ ንክልተ ኣመንቲ እስልምና ንዘይኾኑን ንሓደ ኣማኒ ምስልምና ዝኾነ ውልቀሰብን ተኹሶም ምቕታሎም መራሕ መኪናን ተሓጋጋዚኡን ሓቢሮም ኣለው።

ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝግለጽ ኣልሸባብ ሰራዊት ኬንያ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ዓቓብ ሰላም ብምስታፉ ተደጋጋሚ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቓዕቲታት ኣብ ኬንያ ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG