አዲስ አበባ —
ን250 ሺሕ ዜጋታት ዝኸውን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከም ዝተላእከ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተሓባብሩ ጉጅለታት ከም ዝተመደቡ'ውን ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዘምርሑ ከምዝነበሩ ዝገለጹ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተኹሲ ዘጋጠሞም ንክልተ ኬላታት ጥሒሶም ንሳልሳይ ክደግሙ ክብሉ ምዃኑ'ውን ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ዝርከባ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓትን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ዝነበራ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂምን ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኣምባሳደር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ድማ መርመራ ይካየደሎም ከም ዘሎ እቶም ወሃቢ ቃል ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ኣብ ህድማ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት ድማ መብዛሕቲኦም ኣብ ቀረባ መዓልታት ወይ ሳምንታት ተታሒዞም ናብ ፍርዲ ክቐረቡ'ዮም ኢሎም።