ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ን20 ዓመታት ተኻርዮሞ ዝጸንሑ ገዛ ንኤርትራዊያን ወነንቲ ዘረከቡ ኢትዮጵያዊ ኣቦ


ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምስሕሓብ ኣብቂዑ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምስተሓደሰ ዝኾነ ሓደ ፍፃመ ኢና ክነቕርበልኩም።

ነባሪ ክልል ኣምሓራ፣ዞባ ደቡብ ወሎ፣ከተማ ኮምበልቻ ዝኾኑ ኣቶ ደመቀ በለው ኣብዚ ሰሙን እዚ ታሪካዊ ስራሕ ፈፂሞም።ን20 ዓመታት ተኻርዮምዎ ዝነበረ ንብረት ኤርትራዊ ዝኾነ መንበሪ ገዛ ብእምነት ሓሊዮም ንሕጋዊ ወናኒ ናይቲ ገዛ ኣረኪቦም ኣለው።

ኣብቲ ስነስርዓት ርኽክብ ኣካላት መንግስቲ ፣ነበርቲ እቲ ከባቢን ኣዝማድን ፈተወትን ተረኺቦም ነይሮም።

ወ/ሮ ግደይ ሃይሉ ይበሃላ።ንሰን ቅድሚ 20 ዓመታት ናብ ትውልዲ ሃገረን ኣዝማደን ንምርኣይ ናብ ኤርትራ ይገሻ።ኣብ መንጉኡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግጭት ይፍጠር።

“ስቕ ኢልና ንሃገርና ሪኢና ንምምላስ ኢና ከይድና።ክንምለስ ከለና መንገዲ ተዓፂዩ”ክብላ ነቲ ኩነታት ይዝክራ።

ወ/ሮ ግደይ ሃይሉን ብዓል ቤተንን ደቆምን ኣብ ከተማ ኮምበልቻ ብረሃፆም ካብ ዝሰርሑዎ መንበሪ ገዛን ንትሽዓት ዓመታት ካብ ዝነበሩላ ከተማን ተፈሊዮን ንምንባር ድማ ተገዲዶም።

ኣቶ ደመቀ በለው ኣብ 1980 ዓ.ም ካብ በዓል ቤት ወ/ሮ ግደይ ካብ ዝኾኑ ኣቶ ኣስገዶም ገብሩ ዝተኻረዩዎ መንበሪ ገዛ ብተኣማንነት ኣፅኒሖም ንሕጋውን ወናኒን እቲ ገዛ ኣረኪቦም።

“መጀመሪያ በዓል ቤተን እዮም ኣብ 1980 ዓ/ም ኣካሪዮምኒ።ክራይ እናኸፈልኩ እናነበርኩ ከለኹ ኣስመራ በፂሐ ክምለስ እየ ኢሎም ምስ ከዱ ኣብ መንጉኡ መንገዲ ተዓፂዩ።ብስሩዕ እውን ኣየረከቡንን።ኣነ ብእምነት ክሕልዎ ፀኒሐ።ሕጂ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ተፈጢሩ።ዝተዋለደ ህዝቢ እዩ።ስለዚ እምነት ፅቡቕ እዩ እየ ዝብል።”

ወ/ሮ ግደይ ሃይሉ ብዛዕባ ሞሳን እምነትን ኣቶ ደመቀ ከምዚ ይብላ።

“ንሶም ንዓና ዝገበሩልና ፅቡቕ ነገር መወዳእታ የብሉን።ክመፅእ እዩ፣ ኣይመፅእን፤ሞይቱ፣ኣይሞተን ኢሎም እናተዛረቡዎም ሃለዋትናን ሞትናን ከይፈለጡ ብእምነት ሒዞም ኣፅኒሖም።ንዕኦም ዘለና ምስጋና መወዳእታ የብሉን።ንክብርን ማዕረግን ኣብቂዖምኒ፤ንዕኦም እውን ከምቲ ናትና ይፍጠረሎም።”

ኣቶ ደመቀ ብዙሕ ፈተና ኣጋጢሙዎም ከምዝነበረ’ውን ይዛረቡ።

“ኮምበልቻ ናይ ኤርትራዊያን ገዛውቲ ብዕፅው እናተሸጠ ንዓይ እውን ሓቲቶምኒ።ክሓቱኒ ከለው ኣነ ተኻራዪ እየ ኢለ ነቶም ኮሚቴ መሊሰሎም።ዕዳኸ ኣለዎምዶ ኢሉ ሓቲቱኒ።ኣነ ኸኣ ተኻሪየ ዝነበር ሰብ እምበር ኦዲተር ኣይኮንኩ ኢለ መሊሰሎም።ፀኒሖም ድማ ናይ ቀበሌ ገዛ እዩ ኢሎምኒ።ክልተ ሕጊዶ ኣሎ እዩ? ፋይል ኣሎ፣ወናኒት ግደይ ሃይሉ እዩ ዝብል ዘሎ፣ ዋና ኣለዎ፤ግብሪ ይኸፈለሉ እየ፤ዕዳ የብሉን ኢለዮም።”

“ካብቲ ግዜ ጀሚረ ሓሊየ ክነብር ከለኹ ነፍሶም ይምሓር እቶም ሰብ ሞይቶም።ኣብቲ ከተማ ብዙሕ ይውረ ነይሩ።ናይ ኤርትራዊያን ገዛ ከመይ ከምልጠኩም ! ዝብሉ ነይሮም።ንሕና ፅባሕ መወቲ ኢና።ንበዓልቲ ዋና ንምርካብ ዋላ ሓደ ፀገም የብለይን።እቲ ሰነድ እውን ከም እትሪኦ ብሽመን ግብሪ እናኸፈልኩ ሓሊየ ኣፅኒሐ ኣለኹ።ብዓል ጥዕና ይግበረለን ኣረኪበየን ኣለኹ።”

ኣቶ ደመቀ ሃብትን ንብረትን የብሎም።ብዝረኽቡዋ ናይ ጡረታ ደመወዝ ብ500 ብር ዝናብሩ እዮም።

“ኣነ ናይ ባዕለይ ገዛ የብለይን።ጡረታይ 500 ብር እዩ።ካብዚ ክራይ ገዛ ድየ ክኸፍል ወይስ ንቀለብ?ናይቲ ከተማ ምምሕዳር ኣይሕግዘንን።ቤት ናይ እግዝኣብሄር እዩ፤እንተኾነ ይኸውን ተዘይኮይኑ ኸኣ እግሄር ይፈልጥ።”

ኣቶ ደመቀ ካብ 1957 ዓ.ም ጀሚሮም ዓሰብ ይነብሩ ነይሮም።ብናይ ጉልበት ሸቕሊ ናይ መኪና መዘወሪ ፍቓድ ኣውፂኦም፣ሓዳር መስሪቶም፣ ገዛ ሰሪሖም ይነበሩ ነይሮም።

ንሶም ኣብ 1983 ደርጊ ክወድቕ ከሎ ይንበርሉ ካብ ዝነበሩ ዓሰብ ንብረቶም ብናይ መንግስቲ ናይ ፅዕነት መኪና ፅዒኖም ከምዝመፁን ኣካላት መንግስቲ ኣብ ኮምበልቻ ይኹን ኣብ ደሴ ነታ መኪና ኣይንርከብን ኢሎም ከምዝኣበዩዎምን ይገልፁ።

ኣቦ መንበር ማሕበር መናእሰይ ኮምበልቻ መሓመድ ዓሊ ብዛዕብኦም ክምስክር ከሎ ኣቑሑቶም ፅዒኖምሉ ዝመፁ መኪና ንብረት ምምሕዳር ከተማ ዓሰብ ብምንባሩ እቲ እዋን ዕግርግር ብምንምባሩ ብዙሕ ንብረት መንግስቲ ኣብዝዝረፈሉ ንሶም ግን እታ መኪና ብእምነት ኣረኪቦምዋ ይብል።

ኣቶ ደመቀ ኣብ ከተማ ዓሰብ ዝሃነፅዎ መንበሪ ገዛ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ኣይፈልጡን።

ኣቦ መንበር መናእሰይ ከተማ ኮምበልቻ መሓመድ ዓሊ ኣቶ ደመቀ ነዚ ወለዶ ናይ ፅቡቕ ስነ ምግባር መርኣያ እዮም ይብሎም።

“እዚ ዓብዪ ሃብቲ እዩ።ካብዚ ንላዕሊ ንክልቲአን ሃገራት ዘለዎ ፖለቲካዊ ትርጉም እውን ዓብይ እዩ።ንዝቕፅል ወለዶ ካብ ንብረት ንላዕሊ እምነት፣ቃል ከምዝበልፅ ኣዚዩ ዝተረዳእናሉ ስለዝኾነ ኣዚዩ ዘሐጉስ እዩ።”

ወዲ ወዶም ንኣቶ ደመቀ ዝኾነ ድማ ኣቦ ሓጉኡ ብዝፈፀምዎ ተግባር ከምዝኾርዕን ዘሕጉሶን ይገልፅ።ኣቶ ደመቀ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ገ ከምዝነብሩ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ከተማ ኮምበልቻ ተወሊዱ ዝዓበየ ውላድ ኣቶ ኣስገደ ገብሩን ወ/ሮ ግደይ ሃይሉን ኣብ እዋን ርኽክብ ናይቲ ገዛ ተረኺቡ ነይሩ።ኣቶ ብርሃነ ኣስገዶም ኣብ ዓሰብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኮይኑ ይሰርሕ።

“እዚ ለውጢ እዚ ካብ ኢድ ከየምልጥ፣ናብቲ ዝሓለፈ ነገር ከይምለስ ክስራሕ ኣለዎ።”

ኣቦ መንበር ማሕበር መናእሰይ መሓመድ ንኣቶ ደመቀ ምምስጋን ጥራሕ ከይኮነስ ክንሕግዞም ኣለና ይብል።

“ካብዚ ገዛ እንድሕር ወፂኦም ጡረቱኦም 500 ብር ስለዝኾነ ገዛ ኽራይ ድዮም ክኸፍሉላ፣ንቀለቦም ድያ ትኾኖም፣ኣብ ምንታይ ከውዕሉዋ እዮም።ስለዚ ምምሕዳር ከተማ ቦታ ይሃቦም።ንሕና ድማ ማሕበር መናእሰይ ምስቲ ማሕበረሰብ ብምዃን ገዛ ንሰርሐሎም ኢና።ምድናቕ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰናይ ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና። “

ኣብ ከተማ ኮምበልቻ ኣቦ ወንበር ጣቢያ 01 ኣቶ ደሳለኝ እጅጉ ቦታን ገዛን የድልዮም እዩ ነዚ ድማ ምምሕዳር ከተማ ኮምበልቻን ጣብይኦምን ቦታ ከዳለው ኣለዎ ክብሉ ንሰናይ ተግባር ኣቶ ደመቀ ንኢዶም።

“ምኽንያቱ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝነበሩ ናይ ኤርትራዊያን ገዛውቲ ብውልቀሰባት እውን ሓዊሱ ዋንነት ምሕላፍ ዝከኣለሉ ዕድል ነይሩ።ኩነታቱን እዋኑን ከምኡ ይፈቅድ ነይሩ።ምሻጥን ምልዋጥን ይክኣል ነይሩ።ግን ንቓለይ ክነብር እየ ኢሎም ሓደራ ኣይበልዕን ኢሎም ንብረት ዘፅንሑ ወላዲ እዮም።ንዕኦም ምዕንጋልን ምሕብሓብን ናይቲ ከተማ ምምሕዳርን ናይቲ ጣቢያ ምምሕዳርን ናይ መጀመሪያ ስራሕ እዩ።”

ንዝተገብረሎም ኣቀባብላን ንዝተውሃቦም ፍቕርን ምስጋና ዘቕረበ ኣቶ ብርሃነ እዚ ታሪኽ ኣብ ሃገሩ ክደግም ከምዝደልይ ይዛረብ።

“ጽቡቕ ንዘገበረልካ ግብረሉ ወይ ንገረሉ እዩ።እንተኽኢልና፣ስልጣን እንተሃሊዩና ከምኡ ንምግባር ክንፍትን ኢና።ዘይንኽእል እንተኾይንና ድማ ክንዛረብ ኢና።ኣብኡ እውን ፅቡቕ ኢና ሪኢና።ተተባቢዕና ኢና መፂኢና።እዚ ነገር ኣብኡ እውን ንክኸውን ኣብ ዝኸድናሉ ክንፅዕር ኢና።”

ኣቶ ደመቀ መንፈሳዊ ታሕጓስ ብስጋዊ መንፍስ ኣይልወጥን እምነት ናይ ኩሉ መሰረት እዩ ክብሉ ይምዕዱ። “’እምነት ይንበር፤ኣይንፃላእ፣ንፋቐር፣እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ይሓልዎ’’ክብሉ’ውን ይመኽሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG