ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ን14 መዓልታት ኣብ ዓለምለኸ ማያት ዝጸንሓት ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኢጣልያ ኣትያ


ብናይ ጀርመን ትካል ግብረ ሰናይ ትውነን ‘ሲዎች’ ዝተባህለት መርከብ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓነቶም 42 ስደተኛታት ሒዛ ንትእዛዝ ሰበ ስልጣን ሮማ ብምጥሓስ ኢጣልያ ኣትያ።

ካፕቴን’ታ መርከብ ኩነታት’ታ መርከብ ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ ተአፋፊ ብምንባሩን ዓለምለኸ ናይ ህጹጽ እዋን ሕጊ ማያት እታ መርከብ ኣብ ደሴታት ላምፓዱሳ ክትዓርፍ ከምዘኽእላ ገሊጾም።

ይኹን ደአ እምበር ብመሰረት ኣብ ወርሒ ሰነ ዝወጸ ኣዋጅ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ብዘይፍቓድ ናብ ማያት’ታ ሃገር ዝኣትው መራኽብ ከምዝሕግሩን ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ከምዝኸፍሉን ክገልጹ ጸኒሖም ‘ዮም።

ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ማያት ከለው ሓገዝ ናይ ምሃብ እንበር ናይ ምቕባል ሓላፍነት ከምዘይብላ ምግላጹ ንኢጣልያ ኣሓጉስዋ’ሎ።

እዛ ሎሚ ናብ ደሴታት ላምፓዱሳ ዝኣተወት ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ካብ ሰነ 12 ነቶም ስደተኛታት ካብ ገማግም ሊብያ ካብ ተድሕን ጀሚራ ኣብ ዓለምለኸ ማያት ምጽንሓ ይፍለጥ።

11 ካብቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ኩነታት ጥዕና ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ካብታ መርከብ ከምዝወሰዶም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG