ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድን መዳልያ ሽልማት መሪሕነት ተቐቢሎም


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድን መዳልያ ሽልማት መሪሕነት ኣብ ዝተቐበሉሉ
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድን መዳልያ ሽልማት መሪሕነት ኣብ ዝተቐበሉሉ

ወራሲ ዓራት ኢማራት ዓረብ ሸክ መሓመድ ቢን ሳይድ ኣል ናህያ መዳልያ ሽልማት መሪሕነት ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ ኣሕመድን ሂቦም።

ሸክ መሓመድ ቢን ሳይድ ኣል ናህያ ነቲ ብሽልማት ዛይድ ዝፍለጥ ናይታ ሃገር ዝዓበየ ሽልማት ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃቡ፤ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራትን ስሉሳዊ ዘተ ድሕሪ ምቅንዑ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሸኽ ከሊፋ ቢን ሳይድ ኣል ናህያ ኩሉ ጻዕርታት ሰላም ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ከምእትድግፍ ኣፍሊጦም።

ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድን መዳልያ ሽልማት መሪሕነት ኣብ ዝተቐበሉሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:00 0:00

እቶም ወራሲ ዓራት ብዘይካዚ: ብትዊተር ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ: "እቲ ብመራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ዝተወስደ ዓብይን ታሪኻውን ምቁራጽ ኩናትን ምኽፋት ትስፍው መጻኢ ኣብ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን- ካልኦት ሃገራት ኣብ ምፍታሕ ግጭት ክጥቀማሉ ዝኽእላ ሞደል እዩ "ክብሉ ገሊጾም።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብወገኖም : እቲ ብ' ሽልማት ዛይድ' ዝፍለጥ ዝዓበየ ሽልማት'ታ ሃገር ንክልቲኦም መራሕቲ ዝተዋህበ: “ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዝጸንሓ ኲናት ብምዝዛም ሰላም ናብቲ ዞባ ንምምጻእ እቶም መራሕቲ ብዘርኣይዎ ራእይን ትብዓትን" ምዃኑ ሓቢሮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ብተወሳኺ ንግዳዊ ዝምድናን ወፍሪን ክልቲኣን ሃገራት ዝሕይለሉ መዳያት ከምዝዝትዩ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አሕመድ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብተወሳኺ ጠቒሶም።

XS
SM
MD
LG