ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፈይስቡክ ዘመሓድር ትካል ሜታ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ኲናት ሕድሕድ ብምጉሕሓር ተኸሲሱ


ንፈይስቡክ ዘመሓድር ትካል ሜታ ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ኲናት ሕድሕድ ብምጉሕሓር ተኸሲሱ። እቲ ክሲ ኣብ ኬንያ ዝተመስረተ ክኸውን ከሎ ከሰስቲ ክልተ ኢትዮጵያውያን ተመራመርትን ሓደ ካቲባ ዝተባህለ ተሓላቒ መሰላት ትካል ኬንያ`ዮም። እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ኣብ ፈይስቡክ ጎነጻዊን ናይ ጽልኣትን ጽሑፋት ይጥቅዑ ኔሮም ይብል።

ወሃቢ-ቃል ሜታ ኤሪክ ምክፓይክ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ተኹታኺን ኣለዓዓልን መልእኽትታት ኣንጻር መምርሕታት ፈይስቡክን ኢንስትግራምን`ዩ ኢሉ`ሎ።

እቶም ከሰስቲ ኣንጻር`ቲ መልእኽትታት ፈይስቡክ ስጉምታት ክወስድን ንግዳያት ዝሕግዝ ናይ 2 ቢልየን ዶላር ፈንድ ክቐውምን ሓቲቶም ኣለዉ።

በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ክልል ትግራይን ካብ 2020 ጀሚሩ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ኣሸሓት ሰባት ተቐቲሎምን ሚልዮናት ተፈናቒሎምን`ዮም።

XS
SM
MD
LG