ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻዪዱ


ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻዪዱ::

እቲ ሎሚ ካብ ሰዓት 10:30 ንግሆ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዋሽንግተን ዲሲ፡ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲ ከባቢኣን ኣብ ቅድሚ ህንጻ ድምጺ ኣመሪካ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ኣስታት 150 ዝዀኑ ሰባት ዝተረኽብሉ ሰልፊ፡ ድምጺ ኣመሪካ ብሕልፊ ፈነወታት ኣምሓርኛን ትግርኛን ኣንጻር ክልል ትግራይ ዝገብረኦ ዘለዋ ኣድልዎን ዋሕዲ ሸፈነን ኮኒኖም።

ንፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻዪዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:31 0:00

እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ሰብ-ሰራሕ ጥሜትን ካልእ ዕፈናን፡ ሓያሎ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ሸፈነ ኣብ ዝህባሉ እዋን፡ ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕልፊ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን ግን ጸግዒ መንግታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ዝሓዘ መረረቶም ኣስምዖም።

እቶም ሰልፈኛታት ወሲኾም፣ ንዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካን ዝምልከቶም ጋዜጠኛታትን፡ ነቲ ዓመት ክሕዝ ዝቀራረብ ዘሎ ኲናት ትግራይ ዝመጣጠኖ ሸፈነ ክወሃቦ ጸዊዖም።

ነቲ ሰልፊ ዝወደቡ ሰባት ቃለ መሕትት ንኽህቡና ሓቲትናዮም ነይርና ግን ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ድምጺ ኣመሪካ ብኣገልግሎት ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝቐረበሉ ሕቶ፤ “ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኵነታት ብዘይሻራዊ ክንሽፍኖ ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኢና። እቲ ዞባ ኣብ ቀጻሊ ግጭት ከም ዘሎ መጠን ከኣ ንርእይቶ በበይኖም ኣካላት ከነሳሲ ንፍትን። ስራሕና ውድዓዊን ጸግዒ ዘይብሉ ዜና ምዝርጋሕ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ልዕሊ 12 ሚልዮን ዝበጽሑ ተኸታተልቲና ቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ክንድኡ ምስዓቦም’ውን ሓደ መርኣያ’ዩ፡” ኢሉ ብጽሑፍ መሊሱ። እቲ ብቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ዝወጸ ጽሑፍ ወሲኹ ኣብ ዝዀነ ግጭት ዝካየድሉ ኣከባቢ ዘይሻራዊ ሸፈነ ክህብ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG