ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ንጽጉማት ክፋል ሕ/ሰብ ንምሕጋዝ ኢና ነዛ መሳርሒት ሰሪሕናያ”ተማሃሮ ምህንድስና ኮምፕዩተር ማይ ነፍሒ


በረኸት ወልደሚካኤል፡ስምኦን መሓሪ፡ቢንያም ባሲሎስ፡ላሜክ ርእሶም፡ ኢሳይያስ ገብረመስቀልን ኣማኑኤል ዳዊትን ዝተበሃሉ ተማሃሮ ምህንድስና ኮምፕዩተር፡ ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ ምስ ዝኾነ ሰብ ከተረዳድእ እትኽእል ናይ ኮምፒተር ትእዛዝ (soft ware) ሰሪሖም ኣለዉ።

“ ቀንዲ ብልጫ ናይ’ዛ (‘Let’s Talk’)”ንዘራረብ” ዝብል መጸውዒ ዝተዋህባ መሳርሒት ፡ብቋንቋ ምልክትን ጽሑፍን ሓበሬታ ተመሓላልፍ ብምዃና፡ኣንቢቦም ዝኽእሉን ዘይክእሉን ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባት ክጥቀሙላ ዝኽእሉ ምዃና’ዩ”ይብሉ ሰራሕታ።

ንሓፈሻዊ ኣሰራርሓኣ ዝምልከት ምስ’ቶም ሰራሕታ ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG