ኣስመራ —
ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ጽርግያ ኦምሓጀር-ሑመራ ብ7 ጥሪ 2019 ብክልቲኦም መራሕቲ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቱ ፡ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዳግማይ ናይ ዶብ ንግድን ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባትን ምጅማሩ ነቲ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላምን ዝምድናን ዘሐይል ከምዝኾነ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነጋዶን መራሕቲ መካይንን ተዛሪቦም።
እቲ መስመር ነዊሕ’ኳ እንተኾነ ሸርፊ ናቕፋ ስለዝሕግዞም ንነጋዶን ተጠቀምትን ዘርብሕ ከምዝኾነ እቶም ነጋዶ ገሊጾም። ኣብ መስመር ጽርግያ ኣስመራ-ደቀምሓረ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ዕዳጋ መርሓኖ ናይ መግብን መስተን፡ ናይ ህንጻን ናይ ጽሬትን ሃለክቲ ነገራት መዓልታዊ ይኣቱ ኣሎ። ዋጋታት ናይ ሃለኽቲ ከከምቲ ጠለብን ብዝሒ ዝኣቱ ኣቕሑን መዓልታዊ መጠናዊ ለውጢ ከምዝገብር ዝገለጹ ነጋዶ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዋጋ ምስቲ ዝሓለፈ እዋናት ብምንጽጻር ዝሓሸ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።