ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ኦዲት ስራሕ ዛዚሙ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዉ ጨናፍሩ ናይ ኦዲት ስራሕ ከካይድ ዝጸንሐ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነቲ ዕዮ ምዝዛሙ ኣብ ትሕቲ ሚንስትሪ ሰላም ዝርከብ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ህፁፅ ስራሕቲ ዳግመ ምጥያስ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምኽትል አካቢ'ቲ ኮሚቴ ኣቶ ኣበበ ገብረህይወት ፀብፃብ እቲ ኦዲት ንዘተ ከም ዝቐርብን ብድሕሪኡ ድማ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተማልአ ኣገልግሎት ባንኪ ንኽወሃብ መምርሒ ከም ዝህብን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ምዝዛም ኦዲት ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ወሳኒ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ባንኪ ንሃገራዊ ባንኪ ወኪሉ ዝውውር ገንዘብ ዝቆፃፀረ ብምዃኑ'ዩ ኢሎም።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ዝጀመራ ባንክታት ብሰንኪ ዋሕዲ ገንዘብ ስራሐን ደው ከም ዘበላ ሓቢሮም። ምዝዛም ስራሓት ኦዲት ባንክ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ሃጓፍ ፍታሕ ከምፅእ ብዙሓት ተዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG