ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግዱድ ክታበት ኮቪድ-19 ዝቃወሙ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ናብ ዲሲ የምርሑ


ኣብ ካናዳ ዝለሓመ ኣድማ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ብረቡዕ ካብ ካሊፎርኒያ ተበጊሱ ናብ ርእሰ-ከተማ ዋሺግንተን ዲሲ የምርሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ጥሩምባ እናነፍሑን በበይኑ ጭርሖታት ሒዞም ዝግስግሱ ዘለዉ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ዘወርቲ ነቲ “ቃፍላይ ናጽነት” ዝብሉዎ ኣድማ ክሕወሱ ይጽውዑ ኣለዉ።

እቶም መራሕቲ መካይን ኣትሪሮም ዝቃወሙዎ ዘለዉ ምልባስ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ከምኡ’ውን ግዴታ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19’ዩ።

ወደብቲ እቲ ቃፍላይ ተቓውሞ ከም ዝብሉዎ፡ ናብ ርእሰ-ከተማ ዲሲ ክዛዘም ዝሓለነዎ ሰለማዊ ሰልፊ ዝዀነ ጎነጽ ዘይብሉን ናብ ወሰናስን እታ ከተማ እምበር ንውሽጢ ዘይኣቱን ምዃኑ ይጠቕሱ። ከምቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ እቲ ቃፍላይ ን5 መጋቢት ኣብ ዲሲ ክበጽሕ’ዩ።

ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ (ፐንታጎን) በቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክህሉ ንዝኽእል ሓደጋ ንምውጋድን ድሕነት ንምሕላውን ኣስታት 700 ብረት ዘይዓጠቑ ወተሃደራት ዝሓዘ ፍሉይ ኣሃዱ ቀሪቡ ኣሎ። እቶም ፍሉይ ኣሃዱ ብቐንዱ ንድሕነት ጽርግያን ምምራሕ ትራፊክን ከገልግሉ ተወጢኑ ኣሎ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዘጋጥም ዘሎ መጠን ሞትን ሕማምን ብኮቪድ-19 ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ዝጎድለሉን ተሪሩ ዝጸንሐ ክልከላታት ይዘልቀሉ ኣብ ዘሎ ግዜን’ዩ።

XS
SM
MD
LG