ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግስነት ስዑድ ዓረብ ንጉዳይ ኣማውታ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ መግለጺ ሂቡ


ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ
ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑድ ዓረብ ድሕሪ ምእታው ህጣሙ ጠፊኡ ዝጸንሐ ጀማል ካሾጊ ዝተባህለ ስዑድ ዓረባዊ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪቲ ቆንስል ኣብ ሞንጎኡን ኣብቲ ቆንስል ዝረኸብዎ ሰባትን ብዝተፈጥረ ባእሲ ከምዝሞተ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ስዑድ ዓረብ መባእታዊ ውጽኢት መርመራ ንዝበሎ መግለጺ ስዑድ ዓረብ ኣፍሊጡ።

ምስ ሞት ጋዜጠኛ ካሾጊ ብዝተሓሓዝ 18 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መግለጺ ዓቃብ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ አማኻሪ ቤት ፍርዲ ንግስትነት ስዑዲ ዓረብ ሱዓድ አል ከሃኒን ምክትል ሓላፊ ስለያ ካብ መዝነቶም ምብራሮም ሓቢሩ'ሎ።

ዓቓብ ሕጊ ወሲኹ ኣብ ሞት ጋዜጠኛ ካሾጊ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ይቅጽል ምህላው'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ካሾጊ ንመርዕኡ ዘድልይ ሰነድ ንምምላእ ጥቅምቲ 2 ናብ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ምእታው ይፍለጥ።

ንግስነት ስዑድ ዓረብ ንኣማውታ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ መግለጺ ሂቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:06 0:00

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር: ንጉስ ሳልማን ንናይ ስለያ አካላት እቲ ንግስነት ዳግማይ ንምምስራት: ብልዑል ወራሲ ዓራት ዝምራሕ ሓድሽ ኮሚተ ሚንስትራት ክቐውም ምእዛዞም ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ: ኣብ ጉዳይ ሞት ጋዜጠኛ ካሾጊ: ስዑዲ ዓረብ ተካይዶ ዘላ ምርመራ ውጺኢት ብምርካቡን ኣብ ልዕሊ ቲ ጉዳይ ምትሕሓዝ ኣለዎም ንዝበለቶም ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣፍልጦ ምሃቡ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ብዘይካዚ: ኣሜሪካ ነዚ ዓለምለኸ ምርመራ ብቀረባ ትከታተሎ ከምዘላን ምስቲ መስርሕ ዝሰማማዕ እዋናዊን ግሉጽን ፍትሒ ዘለዋ ደገፍ ይሕብር።

ቱርኪ ካሾጊ ናብ ቆንስል ስዑድ ዓረብ ድሕሪ ምእታው ድሕሪ ደቓይቅ ምቕታሉ ከምትኣምን እኳ እንተገለጸት ; ስዑዲ ዓረብ ግን ነዚ ክሲ ቱርኪ ትነጽግ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ብዛዕባ ምጥፋእ'ቲ ጋዜጠኛ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቃለ መጠይቕ ኣካይዶም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG