ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጉስ ሳልማን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሃገሮም ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ክህብ ሓቲቶም


ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ትካላት መፃረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣዚዩ ስልጡን ወታሃደራዊ ሓይሊን ግዙፍ ናይ ምክልካል በጀትን ዘለወን ሃገራት ንናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) መጥቓዕታት ዝተቓልዓ ምዃነን ዘረጋገፀ ኮይኑ’ሎ።ኣሜሪካ ናይ ሳተላይት ምስልታትን ናይ ስለያ ሓበሬታን ኣብቲ ንናይ ስዑዲ ነዳዲ ምህርቲ ብፍርቂ ዝዓፀወ መጥቓዕቲ ናይ ኢራን ኣፅዋር ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለ ገሊፃ’ላ።ክኢላታት ፀጥታ እዚ ዳሕረዋይ ኣጋጣሚ ኣብቲ ብቕልጡፍ ይምዕብል ዘሎ ናይ ድሮን መጥቓዕቲ ተኽእሎታት ስኽፍታታት ኣልዒሉ’ሎ።

ሽሞም ዘይረቑሑ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንምዕራባዊያን መራኸቢ ብዙሃን ከምዝገለፁዎ ኣብ ልዕሊ እቶም ትካላት ዝተተኮሱ ልዕሊ ደርዘን ዝተዋደዱ መጥቓዕታት እዮም።

ኣብ ሓምለ ኣንፃር ኣብ የመን ይካየድን ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕን ዘሎ ኲናት ዝገጥሙ ብኢራን ዝድገፉ ዓመፅቲ ሑቲ ብኢራን ዝተሰርሐ ሓፂር ርሕቐት ዝጉዓዝ ክሩዝ ሚሳይልን ቦምብ ዝፅዓና ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ንምርኢት ኣቕሪቦም ነይሮም።

ኣብ የመን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ ቀረብ ነዳዲ ዘቋርፅ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ኣይፈልጥን።እዚ መጥቓዕቲ ን5.7 ሚሊዮን በርሚል ነዳዲ ካብ ዕዳጋ ዓለም ወፃኢ ዝገበረ እዩ።ኢንዳስትሪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም እውን ዘረጋገፀ እዩ።

እቲ ተንታኒ ናይ ስዑዲ ዓረብ ምክልኻል መሰረታዊ ፀገማት ከምዘለዎ እውን ዘቃልዐ እዩ ይብሉ።ናይ ምክልኻል ስርዓቶም ነቲ ልሙድ ዝበሃል ዓይነታት መጥቓዕቲ እምበር ካብ ድሮን ካብ ኣየር ንዝፍፀም ዝከላከል ኣይኮነን።

ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ተንታኒ ቲዎደር ካራሲክ እቲ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ፀጥታውን ወታደራውን ትርጉሙ ዝለዓለ እዩ ይብል።

“እቲ ስሕበት ካብቲ ልሙድ ወፃኢ እዩ።ኣብ ልዕሊ ኢንዳስትሪ ነዳዲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ 11 መስከረም እዩ።ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ትካላት ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዕዉት እዩ።ክሩዝ ሚሳይል ምስ ድሮናት ዝተዋደደ መጥቓዕቲ እዩ።ብከምዚ ዝበለ ኣፅዋር ንመሰረት ልምዓት ኢነርጂ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ንምግባር ዝተኻየደ መጥቓዕቲ እዩ።እቲ ፍፃመ ንርእሱን ዝወረደ ዕንወትን ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ።”

ሰበስልጣን ስዑዲ ከምዝገለፁዎ መባእታዊ ምርመራ ከምዝሕብሮ ናይ ኢራን ኣፅዋር ኣብቲ መጥቓዕቲ ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዓለ እዩ።እቲ መጥቓዕቲ ዝተበገሰሉ ግን ገና ንፁር ኣይኮነን።’’መጥቓዕቲ ዝተፈነወሉ ነጥቢ ንምፍላጥ ይስራሕ እዩ ዘሎ።ዋሽንግተን እቲ ዝውሰድ ግብረመልሲ ክትውስን ንስዑድ ዓረብ ሓቲታ’ላ።እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ ዓለምለኸ ምርመራ ክካየድ ፀዊዖም ኣለው።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ደንቨር ኣማኻሪ ፀጥታ ዝኾኑ ጀፈሪ ፕራይስ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ብድሮንን ሚሳይል ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ መቐይሮ ነጥቢ እዩ ይብሉ።እዚ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓዱሽን ቀፃልን ዓውደ ኲናት እዩ ኢሎም።

“ እዚ ፈተና እዩ።ካብ ሓደጋ ክትሕልዎ ዝግብአካ ሰፊሕ ግዝኣት ክህልውካ ከሎ ብፍላይ ድማ ካብ ሚሳይልን ድሮናትን ክትከላኸሎ ኣዚዩ ኣፀጋሚ እዩ።ብፍላይ ሚሳይል ካብ ነፈርቲ ኣዚዩ ብዝቐልጠፈ እዩ ዝውንጨፍ።ክልቲኦም ብራዳር ናይ ምርኣይ ዕድሎም ዝተሓተ እዩ።ስለዝኾነ ነዞም ሓደሽቲ ስግኣታት ዘለልይ ምክልኻል ምህናፅ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዝሕብሮ።”

ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ተንታኒ በርናንድ ሃድሰንቅድሚ ሎሚ መንግስታት ጥራሕ እዮም ሓይሊ ኣየር ዝውንኑ ነይሮም።ድሮን ኣብ ሰማይ ንዝፍፀም ህውከት ዴሞክራሲያዊ ገይረንኦ እየን ኢሉ ።

ዓመፅቲ ሑቲ ብሓገዝን ምኽርን ኢራን ነቲ ተግባር ብዝግባእ ተለማሚደምዎ ኣለው።ናዕበኛታት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣፅዋር ገንዘብ ከፍስሱ ትፅቢት ከምዝግበር ጀፈሪ ፕራይስ ይገልፁ።

ፕራይስን ካልኦትን ክኢላታት እዚ ሕጂ ዝርኣይ ዘሎ ብድሮናት ናይ ምጥቓዕ ተኽእሎታት ካብ ናይ ሓያሎ መንግስታት ናይ ምክልኻል ተኽእሎታት ኣዚዩ ዝተዓፃፀፈ ምዃኑ ስግኣቶም ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG