ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሽረ እንዳስላሰ: ብስም Five Angeles ንዝኽሪ ዝተጎድእዋ ስድራቤታ ክሊኒክ እትሃንጽ ዘላ መንእሰይ


five angles
five angles

ሰባት ኣብ ህይወቶም ኣጸገምቲ ፍጻመታት ከጋጥምሞም ከሎ ገለ ሰባት ተስፋ ናይ ምቁራጽን ምስቁርቋር ግብረ መልሲ ክህቡ ከለው ገለ ድማ ነቲ ፍጻመ ንህይወቶም ብርግጽ ከምዝቐየሮ ንምዝካር ካልእ ሰናይ ተግባር ብምጅማር ይዝክሩ።ሄለን ገብረጊዮርጊስ ሓንቲ ካብዞም ዳሕረዎት ዓይነት ሰባት እያ።

ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ተወሊዳ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ምስ ወለዳ ናብ ስደት ሱዳን ኣምሪሓ ድሒራ ድማ ናብ ኣሜሪካ መጺኣ።

ስድራቤታ ኣብዚ ኣሜሪካ ምስ በጽሑ ኣቡኣ ብሕማም መውቓዕቲ ልቢ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ኣዲኣ ንኣርባዕተ ነአሽቱ ደቃ ንምዕባይን ንናብራ ስደት ንምግጣምንን ንነዊሕ ጊዜ ክልተ ስለስተ ስራሕ ክትሰርሕ ብምንባራ ሓላፍነት ነአሽቱ ኣሕዋታ ኣብ ዕንግዳ ሄለን ወዲቑ።

ሄለን እዚ ሓላፍነት’ዚ እዩ መስለኒ ኣብ መበል 18 ዓመተይ ንናይ መጀመርያ ወደይ ዮሴፍ ክወልድ ኸለኹ እቲ ናይ ኣደነት ባህርያት ብዙሕ ዘየጸገመኒ ትብል።

ድሒራ ያሲን ዝተባህለ ወዲን ንስሪን ዝተባህት ጓልን ክልተ ቆልዑት ወሊዳ።ሄለን “ዋላ’ኳ ሰለስተ ቆልዑ ምዕባይ ናቱ ዝኾነ ብድሆታትን ዘለዎ ብዙሕ ስራሕ ዝሓትትን እንተኾነ ካብቲ ክዓብይ ከለኹ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣብ ደቐይ ንከየጋጥም ብዙሕ ይጽዕር ኔረ” ትብል።

ኣብ ወርሒ ሰነ,2010 ግን ንህይወት ሄለን ንሓዋሩ ዝቕይር ሓደ ፍጻመ አጋጢሙ።ኣብቲ መዓልቲ ስለስቲኦም ደቓ፡ ሓፍታን ጓል ሓፍታን ኣብቲ ዝነብርሉ ዝነብረ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ህይወት ሓሙሽቲኦም አባላት እዛ ስድራ ሓሊፉ።

ሄለን ወዲ 13 ዓመት ወዳ፡ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላ፡ ወዲ 5 ዓመት ሳልሳይ ወዳ፡ ጓል 22 ዓመት ንእሽተይ ሓፍታን ጓል 7 ዓመት ጓል ሓፍታን በቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ስኢና።

“ንሓንቲ ኣደ ሞት ውላዳ ዝአመሰለ ዘሰንብድን ዝኸፍአን ተመክሮ የለን። ብፍላይ ድማ ከምዚ ዓይነት ሃንደበትን እሞ ሰለስቲኦም ብሓንሳብ ክትስእኖም ኸለኻ ብተወሳኺ ንእሽተይ ሓፍተይን ጓላን ብሞት ክትስእን ብጣዕሚ ዘሰንብድ አጋጣሚ እዩ” ትብል።

ሄለን በዚ ዘጋጠማ ሃንደበት ሞት ስድራቤታ ተስፋ ከይቆረጸት ብትብዓት ህይወታ ንምምራሕ ካብ ዘለዋ ቆራጽነትን ጽንዓትን ብተወሳኺ ንዝኽሪ እዞም አባላት ስድራቤታ “ Five Angels” እቶም ሓሙሽተ መላእኽቲ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ትካል ግብረሰናይ መስሪታ።

እዚ ትካል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዝተወልደትሉ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ንአዴታትን ህጻናትን ኣገልግሎት ዝህብ ክሊኒክ ብ12 ሚልዮን ብር ንአዴታት፡ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ሆስፒታል ሃኒጻ።

እቲ ሆስፒታል ኣስታት 50 ክፍልታት ዝሓዘ ኮይኑ ክፍሊ መዋልዳን፡ ናይ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ክሊኒክን ዝሓዘ ከምዝኸውን ሄለን ትገልጽ።

ምስዛ ኣብነታዊት መንእሰይ ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG