ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ስርሒት ፈንቕል ውድድር ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተኻይዱ


ብኣጋጣሚ ጽንብል መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተኻይዱ። ኣብ`ቲ 21 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ውድድር 69 ደቂ ተባዕትዮን 21 ደቀንስትዮ ብጠቕላላ 90 ተወዳደርቲ `ዮም ተሳቲፎም።

ኣብቲ ብኣህጉራዊ ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ደቂተባዕትዮ ውድድር ኣትሌታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ተሳቲፎም ኔሮም።

ብናይ ደቂተባዕትዮ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ ቀዳማይ ፡ ሳምሶን ኣማረ ካልኣይ፡ ዮናስ ያቆም ሳልሳይ ኮይኖም ተዓዊቶም።

ካብ ደቀንስትዮ ቀዳመይቲ ናጽነት ኣማንኤል፡ ካልኣይቲ ስምረት መርሃዊ ፡ሳልሳይቲ ድማ ሕብረት ደበሳይ ብምዃን ምዕዋተን መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG