ዋሽንግተን —
ብዕልዋ መንግስቲ ዝመጸ ኮነሬል ፓወል ሀንሪ ሳንዳጎ ዳሚባ ሎሚ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ንምዃን ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።
ኣብቲ ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ስነ-ስርዓት፡ ኮነሬል ፓወል ሀንሪ ሳንዳጎ ዳሚባ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ምስ ቀይሕ ቆቢዕን ኣብ ክሳዱ ድማ ንባንዴራ ሃገሩ ዝገልጽ ሕብሪ ዘለዎ ሻሽ ጌሩ ኔሩ።
እቲ ወዲ 41 ዓመት ኮሌነል ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ነቲ ዝነበረ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ካብ ጅሃዳውያን ክትከላኸል ኣይክኣልካን ብዝብል ቁጥዐ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝተገብረ ዕልዋ ዝመርሐ'ዩ።