ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰመጉ- `ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ንምቕፃል ዝሓለፈ ሽግር ብሕጋዊ ስርዓትን ዕርቅን ምስጋር አማራጺ የብሉን`


ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰል /ሰመጉ/ ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ንምቕፃል ዝሓለፈ ሽግር ብሕጋዊ ስርዓትን ዕርቅን ምስጋር አማራጺ የብሉን ኢሉ።መንግስቲ ብሰንኪ ግጭት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዘድልይ ሰብኣዊ ረድኤት ከቕርብን ናብ ዝነበሩዎ መሊሱ ከጣይሶምን ሓቲቱ።

ቅድም ክብል ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዝነበረ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ መበል 70 ዓመት ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ ኣብዝሃቦ መግለፂ ንኽልተ ተፃባእቲ ዝበሎም ፍፃመታት ትኹረት ሂቡ’ሎ።

እዚ በዓል ኣብዝኽበረሉ እዋን ኢትዮጵያ ብሓደ ወገን ንምምሕያሽ ሰብኣዊ ኩነታትን ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ዝለዓለ ፃዕሪ ኣብዝግበረሉ፣በቲ ኻልእ ወገን ድማ ነዚ እናተፈታተኖ ዝርከብ ሰፊሕ ሽግራት ኣጋጢሙዋ ይርከብ ይብል።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሰመጉ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ብሰንኪ ዝልዓሉ ግጭታት ብዙሓት ዜጋታት ካብ ናይ ንዓመታት ዝነበርሉ ከባቢ ተመዛቢሎም ኣብ ብዙሕ ሽግር ይርከቡ ይብሉ።

“ብሰንኪ ግጭታት ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ሽግር ንዝርከቡ ዜጋታት መንግስቲ ኣድላይ ሰብኣዊ ረድኤት ክሕግዝን ናብ መነባብርዕም ተመሊሶም ዳግም ናብርኦም ከጣይሱ ኩለ መዳይ ሓገዝ ክገብረሎምን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርድ ምምዝባል ነባሪ መፍትሒ ክረኽብ ኣለዎ።”

ኣቶ ኣምሃ መኮነን ቀጺሎም ናይ ሎሚ ዓመት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዘኽብረሉ እዋን ሰመጉ ነቲ ብዓል ብዝተፈለየ ኩነታት ንምኽባር ዝሓዞ መደብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣዳራሽ ወፃኢ ኣፍልጦ ንምሃብ ድልዊ ዘይምዃኑ ዝተሰምዖም ቅሬታ እውን ገሊፆም ኣለው ።

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብዝተኸብረሉ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ እውን ተኸቢሩ ውዒሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ንዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝወጸ መግለጺ ሰመጉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:06 0:00

XS
SM
MD
LG