መቐለ —
እዚ መንገዲ ብወገን ጁቡቲ ካብ ወደብ ታዲጁራ ብንኡስ ከተማ ባልሆ ኣቢሉ ናብ ክልል ዓፋር ዘእቱ መንገዲ በወገን መንግስቲ ጁቡቲ ሙሉእ ብሙሉእ ምዝዛሙ ኣብ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ዳይረክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሸን ኣይተ እንዳልካቸው ፀጋየ ገሊፆም።
እዚ ሓዱሽ መንገዲ ዝምልከት ምስ ሓሊፊት ቢሮ ኮንስትራክሽንን መጓዓዝያን ወይዘሮ ኣልማዝ ገብረፃድቅን ኣብ ሚኒስትሪ መጓዝያ ዳይረክተር ጉዳያት ኮሙኒኬሸን ኣይተ እንዳልካቸወ ፀጋየን ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።