ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃይማኖታዊ ነጻነት፣ መሰረት ኩሎም ካልኦት ነጻነታት እዩ' ይብል ወሃቢ ቃል መሰኻኽር የሆዋ


ሃይማኖታዊ ነጻነት፣ መሰረት ኩሎም ካልኦት ነጻነታት እዩ' ይብል ወሃቢ ቃል መሰኻኽር የሆዋ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:20 0:00

ወሃቢ ቃል መሰኻኽር ይሆዋ ፖል ጊሊይ ኣብ ናጽነት ሃይማኖት

'መሰኻኽር የሆዋ ንፖለቲከኛታት ወይ ሓገግቲን፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታት እገዳ ንከንብሩ ጸቅጢ ኣይገብሩን። ንሕና ንኣምነሎምን ንትግብሮምን ሃይማኖታዊን ሞራላዊን ተግባራት፣ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ክጻዓኑ’ውን ኣይንፍትንን' ይብል ወሃቢ ቃል መሰኻኽር የሆዋ ፖል ጊልይ።

ከም’ቲ እየሱስ ኣብ ናይ ከረን ስብከት ዝጥቀሶ ‘ከም’ቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ኩሉ፣ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም’ ስለዝብል በለ ንሱ።

እቲ ምስ ቪኦኤ ቃል ምልልስ ዝነበሮ ወሃቢ ቃል መሰኻኽር የሆዋ ወሲኹ 'ንሰማዕቲና ዘገድሶም፣ ሃይማኖታዊ ነጻነት፣ መሰረት ማሕበረ ሰብ ምኳኑ፣ ካልኦት ነጻነታት፣ ንኣብነት፣ ፖለቲካዊ ነጻነት፣ ቁጠባዊ ነጻነት፣ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ነጻነት ዝተሃነጹ ከምዝኾኑ ክፍለጥ አለዎ። እዚ መሰረት’ዚ እንተፈሪሱ፣ እቶም ዝተረፉ ብሙልኦም’ዮም ዝልከሙ። ሃይማኖታዊ ነጻነት ምስ ዝጋሃስ፣ እቶም ካልኦት ነጻነታት ሓደ ብሓደ እዮም ዝልከሙ። ስለዚ፣ ካልኦት ነጻነታት ክሕለው ዝድለ እንተኾይኑ፣ ሃይማኖታዊ ነጻነት ክኽበር ኣለዎ' ከምዝበለ እቲ ሪፖርት ይሕብር።

XS
SM
MD
LG