ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንክልተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ተዛዚሙ


ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ ንክልተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ሎሚ ኣማስይኡ ዛዚሙ`ሎ።

ናይ`ቲ ኣኼባ ኣካይዳ ይኹን ውጽኢት፡ ዛጊት በቲ ግንባር ዝወጸ መግለጺ የለን።

እቲ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ መግለጺ፡ ኣብ እዋናውን ሃገራውን ኣጀንዳታት ዓሙቕ ግምገማ ኣካይዱ ቀጻሊ ትልምታቱ ከም ዘቐምጥ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።

ድሕሪ`ቲ ኣብ ሰነ 15 ኣብ ባህርዳር ዘጋጠመ ቕትለት ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ኣምሓራን፡ ኣብ መንጎ ሕወሓትን ኣዴፓን ዝተራእየ ዝኸረረ ምስሕሓብ ኣብ ኣድባባይ ድሕሪ ምውጽኡን ንመጀመርያ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ፡ ብዛዕባ`ቲ ምስሕሓብ ይኹን ብዛዕባ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ዘመሓላለፎ ውሳነ ይሃሉ ኣይሃሉ ዛጊት ዝበጸሓና ዜና የለን።

XS
SM
MD
LG