ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንክልል ትግራይ ዘራኽብ ድልድል ተከዘ ምዕናው ስኽፍታታት ይፈጥር ምህላው ተገሊጹ


ንምዕራብ ትግራይ ዘራኽብ ወሳኒ ድልድል ተከዘ ምዕናዉ ስክፍታት የዛይድ ኣሎ።

ኣህጉራዊ ትካል ኮሚተ ድሕነት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ንትግራይ ዘራኽብ ድልድል ተከዘ ብምዕናዉ ነቲ ክካይድ ዝድለ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝዕንቅፍን ድሕሪት ዝመልስን ምዃኑ ገሊጹ። ንኹላቶም ኣብዚ ኲናት ዝዋስኡ ዘለዉ ወገናትንሰላማዊ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዘይተገደበ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ክህቡ ድማ እቲ ትካል ተማሕጺኑ።

ኣማሓዳሪት ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ሳማንታ ፓወር ድሕሪ ምዕናው ድልድል ተከዘ፡ ካብተን ንትግራይ ዘራኽባ ኣርባዕተ መስመራት ሕጂ ሓንቲ ጥራይ ተሪፋ ኣላ ኢለን።

ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤሪ ካነኮ፡ ብዛዕባ ምዕናው ድልድል ተከዘ ከም ዝሰምዑ እኳ እንተ ጠቐሱ:ክሳብ ሕጂ ግን ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይረኸቡ ጠቒሶም።

እቶም ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሶም፤ “ሰራሕተኛታት ናይ ካልኦት ትካላትን ናብ ትግራይ ከይዶም ሓገዝ ክህቡ ንጽውዕ ኣሎና። እዚ ንሰምዖ ዘሎና ምዕናው ናይቲ ድልድል ሓቂ እንተኾይኑ:ነቲ ዝድለ ዘሎ ሓገዝ ንድሕሪት ዝመልስን ተስፋ ዘቝርጽን’ዩ፡” ኢሎም።

ንኣስታት ሽሞንተ ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ድሕሪ ዝነበረ ኲናት፡ ኣስታት 5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ:ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የምልክት። ኣስታት 350ሽሕ ድማ ካብዚኣቶም ብዝኸፍአ ደርቂ ዝጥቅዑ’ዮም።

ኣባል ዩኤስኤኣይዲ ዝኾና ሳራ ቻርለስ ብሰሉስ ንአባላት ቤት ምኽሪ ተወክልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበኦ ምስክርነት፡ እቶም ጥሜት ዘንጸላልዉም ዘሎ ዜጋታት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ከም ዝበጽሑ ኣመልኪተን። ቅልጡፍ ፍታሕ ምስ ዘይህሉ ዝኸፍአ ክስዕብ ምዃኑ ድማ ኣጠንቂቐን።

ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን:ብሰንኪ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምልውዋጥ፡እቲ ዝነበረ ዘይምቹእ ኩነታት መሊሱ ከም ዝበኣሰ ገሊጾም። ኣብ ርእሲኡ፡ምቍራጽ በረራታት:መስመር ቴለፎንን ኤለትሪክን ካልእ ጸገም ፈጢሩ ምህላዉ ወሲኾም ይሕብሩ።

ምስቲ ዘሎ ብዙሕ መሰናኽላት ግን ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ዝከኣሎም ይሰርሑ ኣለዉ። ብድሩት ዓቕሚ ድኣ ይኹን እምበር፡ ቀረባት ማይ ነዳዲን ዝነድድ ዕንጸይቲን ብረቡዕ ኣብ ገለ ወገናት ከተማ መቐለ ከባጽሑ ክኢሎም ኣለዉ። ኣብ ሽረ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ናይ ጽሩይ ዝስተ ማይ ሓገዝ፣ ከምእ’ውን ኣብ ከተማ ሳምረ ናይ መሰረታዊ ቀረባት ጥዕና ሓገዝ ከም ዝተላእከ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወሰዶ በይንኣዊ ተበግሶ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ብሰንኪ ድምር ካብ ምዕራውባውያን ሃገራት ዝመጾ ጸቕጢን፡ ሓይልታት ትግራይ ዘመዝገቡዎ ቅልጡፍ ዓወታትን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ኣቃሊሕናዮ ከም ዝነበርና፡ ተንታኒት እቲ ዞባን ተመራማሪት ዓውዲ ፖለቲካን ዝኾና ማሪና ኦተወይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በይንኣዊ ስጉምቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ይውሰድ እምበር፡ እዚ ግን ንሓይልታት ትግራይ ዘገድሶም ኣይኮነን ኢለን ነይረን።

XS
SM
MD
LG