ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንከተማ አዲስ አበባ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ መስመር ምዕጻው ፕረ.ክልል ሶማሌ ገሊጾም


ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ወደብ ኣልባ ናይ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽባ ወሳኒ ጎደናን መንገዲ ባቡርን ተዓፅዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣስታት 110 ሚሊዮን ህዝቢ ናብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝበዝሕ ኣቑሑት በዚ መስመር ዝኣትው ምዃኑ ይፍለጥ እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ምዕፃው ኣይረጋገፀን። ርእይቶ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሰበስልጣን ጅቡቲ'ውን ኣይተረኽበን::

ናይ ሶማሌ ክልል ፕረዚደንት ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ነቲ መንገዲ ዝዓፀውዎ ዝሓለፈ ቀዳም ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዝተቓወሙ ናይቲ ከባቢ መናእሰይ እዮም ኢሎም ኣለው።

ንሶም ወሲኾም ሚሊሽያታት ክልል ዓፋር ትማሊ ሰሉስ ንሓንቲ ከተማ ኣጥቂዖምን ዘሪፎምን ኢሎም ኣለው።

ሙስጣፋ ሙሓመድ ዖማር ንሮይተርስ ብዝለኣኹዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ "መስመር ባቡርን ወሳኒ ጎደናን ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ንምኽፋት ንሰርሕ ኣለና’’ ኢሎም ኣለው።ንሶም ቀጺሎም "ምስ መናእሰይ ንላዘብ ኣለና’’ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG