ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንከተማ ሃዋሳ ዝሕልው ወታሃደራዊ እዚን ኣኽበርቲ ሰላምን ልዝብ ምክያዶም ተገሊጹ


ነበርቲ ከተማ ሃዋሳ ንገበነኛታት ንሰላም’ታ ከተማ ዝሕልው ዘሎ ወታደራዊ እዚ ኣሕሊፎም ከምዝህቡ ምግላፆም ተሓቢሩ።እቲ ወታደራዊ እዚ ሎሚ ምስ ኣባላት ኣኽበርቲ ሰላም ሃዋሳ ድሕሪ ምዝታዮም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብታ ከተማ ልዑል ስርዓት ኣልቦነት ምህላው ገሊፁ’ሎ።

ካብ መንጎ’ቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ነበርቲ ኸተማ ኣቶ ኣስቻለው ድእሼ ኣብ ህዝቢ ሲዳማ ኾነ ከተማ ሃዋሳ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝተፈጥረ ህውከት ወለዲ ብደቖም ሓላፍነት ክወስዱን ይቕረታ ክሓቱን ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣተሓባባሪ ወታሃደራዊ እዚ ኮነሬል ተኽለብርሃን ገብረመድህን ግን ንገበነኛታት ንምሽፍፋን ዝግበር ጻዕሪ ኣድላይ ኣይኮነን ብምባል ምስ’ቲ ሓሳብ ኣይተሰማምዓን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ንከተማ ሃዋሳ ዝሕልው ወታሃደራዊ እዚ ምስ ነበርቲ ልዝብ ምክያዱ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:41 0:00

XS
SM
MD
LG