ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣስታት 1209 ምስማዕ ዝሰዓኑ ነበርቲ ክልል ትግራይ ነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ተዋሂቡ


ንኣስታት 1209 ምስማዕ ዝሰዓኑ ነበርቲ ክልል ትግራይ ነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ተዋሂቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:46 0:00

ንኣስታት 1209 ነበርቲ ክልል ትግራይ ነጻ ናይ ምስማዕ ኣገግሎት ሕክምና ተዋሂቡ

ኣብ ኣሜሪካ ሚኒሶታ ዝርከብ ስታር ኪ ሄርንግ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ምትሕብባር ብሓልዮትን ተገዳስነትን ዶክተር ጠዓመ እምባየ ናብ መቐለ ብምምፃእ ንምስማዕ ዝተስኣኖምን ፀገም ዘለዎምን ነበርቲ ንክልተ መዓልታት ነጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ሂቡ፡፡

ዶክተር ጠዓመ እምባይ እዚ ሰናይ ስራሕ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ን7ይ ግዜ ኣብ ትግራይ ደማ ን3ይ ግዘ ዝካየድ ዘሎ ምኳኑ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ትግራይ ጥራይ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይ ዙር ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ወገናት ከምዝሓገዘ ይሕብሩ ፡፡ ዶክተር ጠዓመ ንከምዚ ዓይነት ሕክምና ናብ ኣሜሪካ ከይድካ ንምሕካም ንሓደ ሰብ ክሳብ 6000 ዶላር ከምዘድልይ ኣብ ልዕሊ ምሕባሮም ነዚ ዓቅሚ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ክረክብ ምግባር ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበካ እዩ ፡፡

“ሃገርና ሃፍታ ህዝባ እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ህዝቢ እዚ እንድሕር ክሰምዕ ዘይክኢሉ ክመሃር ምክኣል የፀግሞ ኣብ ዝብፃሕ ክበፅሕ ኣይክእልን ስለዚ ክሰምዕ ገይርካ ኣብ ትምህርቲ ነጢፉ ንባዕሎን ንሃገሩን ክክውን ምግባር እዩ እቲ ቀንዲ ዕላማና’ዩ።”

ኣብዚ ዓርብን ቀዳምን ዝተካየደ ሕክምና ን1209 ሰባት ተዋሂቡ፡ 1101 ክሰምዑ እንትክእሉ እቶም ዝተረፉ ክሰምዑ ኣይከኣሉን ክብል ዶ/ር ጠዓመ ወሲኹ አረዲኡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ካልኣይ ክፋል'ዚ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG