ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣስታት 12 መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጸንሑ ስደተኛታት 15 ካብኦም ከምዝሞቱ ሓቢሮም


ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘይ መግብን ማይን ን12 መዓልታት ከምዝጸንሑ ዝገልጹ ስደተኛታት 15 ካብኦም ከምዝሞቱ ይገልጹ።

ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት(IOM) ኣብ ሊብያ ኦትማን በልበሲ ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ዝነብረት ጀልባ ምስ ጠሓለት 10 ካብኦም ጥራይ ብህይወት ምትራፎም ካልኦት ግን ከምዝሞቱ እቶም ዝደሓኑ ምግላጾም ይሕብር።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ሚስትራ ዝርከብ መዘናግዒ ክሕጸቡ ብወናኒ'ቲ ቦታ ከምዝተረኽቡን ናብ ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ከምዘረከቦምን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።

እቶም ስደተኛታት ናብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከምዝተወስዱ ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሊብያ ኦትማን በልበሲ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

ካብ ሰበ ስልጣን ሊብያ ግን ተወሳኺ ሓበሬታ ክርኸብ ከምዘይተኸአለ ሮይተርስ ገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG