ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጸንሑ ስደተኛታት ሲሲሊ ኣትዮም


ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሒኖም ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጸንሑ ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ ናብ ወደባት ሲሲሊ ምእታዎም ተገሊጹ።

ይኹን ደአ እምበር ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ወደባታ ከይዓርፋ ምክልካል ከምትቕጽል ኣፍሊጣ’ላ።

‘ሲ ዎች 3’ ዝተባህለት መርከብ ጥሪ 19 ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘድሓነቶም 15 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም 47 ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ ወደብ ካታንያ ኣትዮም ኣለው።

እታ መርከብ ኣብዚ ወር’ ዚ ጥራይ ንካልኣይ ጊዜ ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንመዓልታት ክትጸንሕ ምግዳዳ አባላት’ታ መርከብ ይገልጹ።

ኣቐዲሙ ኢጣልያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ኩሎም ስደትኛታት ትቕበል እንተነበረት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ግን ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና መራኽብ ዘድሓንኦም ስደተኛታት ኣብ ወደባታ ከይኣትው ትክልክል ጸኒሓ’ላ።

XS
SM
MD
LG