ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ብፈለጥቱን ስድራቤቱን ይዝከር


​ፍሉጥ መራሒ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ኣብ መበል 75 ዕድሚኡ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብ ኒው ዮርክ ዓሪፉ`ሎ።

ካብ 1972 ጀሚሩ ኣብ ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነትን ዘገልገለ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ኣብ ሃገራት ስካንድናቭያን ድሓር ድማ ኣብ ናይጀርያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ`ውን ዝሰርሐ`ዩ።

ኣብ 2001 ካብቶም ብ ጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ፓርትን ዝርከብዎም ንምምሕዳር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተቓወሙን ሕገ-መንግስቲ`ታ ሃገር ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝጸውዑን ሓደ ምንባሩ`ውን ይግለጽ።

ንኣምባሳደር ኣድሓኖም ንምዝካር ብርክት ዝበሉ'ዮም ተዓዲሞም ዘለዉ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ(ሊንጎ)፥ ወ/ሮ መብራት በየነ፡ ክልቲኦም ኣብ ገድሊ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ትሕቲኡ ኮይኖም ዝሰርሑ'ዮም።

ዶ/ር ረዘነ መድሃኔ ናይ ልዕሊ 50 ዓመት ምሕዝነት ዘለዎ'ዩ፡ ወ/ሮ ዓዘዘት ኣብርሃ ድማ ጓል ኣኩኡ እያ፥ ሚካኤል እምባየ ገብረማርያም ድማ ወዲ ሓዉ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG