ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኢታማጆር ሽም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን መዘከርታ ሓወልቲ ተሰሪሑ


ንኢታማጆር ሽም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን መዘከርታ ሓወልቲ ተሰሪሑ።

እቲ ሓወልቲ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተመረቐሉ አጋጣሚ በዓልቲ ቤቶም ኮለኔል ፅገ ኣለማየሁ: "ከይዲ ምፅራይ እቲ ቕትለት ዘንጊዑ ኣሎ" ኢለን፡ ፌደራል ፖሊስ ብወገኑ እቲ ቕትለት ይጻረ ከምዘሎን ብቐፃሊ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝገብሮን ኣፍሊጡ::

ብሓለዊኦም ኣብ መንበሪ ገዝኦም ዝተቐተሉ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ኣብ ከተማ መቐለ መዘከርታ ሓወልቲ ብሚኒስተር ምክልኻል ተሃኒፅሎም ትማሊ ድማ ተመሪቑ:: ኣብ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ስድራ ጀነራል ሰዓረ: ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፤ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ተረኺቦም እዮም::

በዓልቲ ቤት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ኮለኔል ፅገ ኣለማየሁ ሞት እቶም ጀነራል ስዒቡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ስድራ ኮይኑ ንዝገበሮ ምፅንናዕ ኣመስጊነን:: ሰራዊት ምክልኻል እውን ቅትለት ጀነራል ሰዓረ ክፃረ ይሓትት ከምዘሎን እቲ ሓወልቲ ድማ ክስራሕ ብምግባሩ ምስጋና ይግበኦ ኢለን:: ከይዲ ምፅራይ ቀተልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ደንጉዩ እዩ ክብላ እውን ተዛሪበን::

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም መንግስቲ ክልል ትግራይ ምርመራ ቕትለት ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብቐረባ ኮሜቴ ኣጣይሱ ይከታተሎ ኣሎ ኢሎም:: ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ካብ ዝተረኸቡ ነባራት ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ስየ ኣብርሃ፡ "ሰዓረ ጅግና ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ጥራይ ዘይኮነስ ውሕሉል ፖለቲከኛ ከምዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣፀጋሚ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣርእዩ እዩ" ኢሎም::

ኢታማጆር ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ 15 ሰነ 2011 ኣብ መንበሪ ገዝኦም ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ከምዝተቐተሉ ይዝከር:: ኣብ ጉዳይ ምፅራይ ቅትለት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ንድምጺ ኣሜሪካ ምላሽ ዝሃቦ ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው ከይዲ ምፅራይ እቲ ቅትለት ይካየድ ከምዘሎ ምስተዛዘመ ድማ ንህዝቢ ዕላዊ ክንገብር ኢና ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG