ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንንግስነት ታይላንድ ዘሊፉ ዝተባህለ ዜጋ ንኽልተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ጎደናታት ንኣሽቱ ስራሓት ብምሻጥ ዝናበር ዝነበረ ታይላንዳዊ መንእሰይ፡ ንንግስነት እታ ሃገር ዘነኣእስ ተግባራት ኣርኢኻ ብዝብል ክሲ ናይ ኽልተ ዓመታት ማእሰርቲ ተበዩኒዎ። እቲ መንእሰይ ኣብ 2020’ዩ ብጫ ዝሓብራ ደርሆ-ማይ ዘለዎ ዓውደ-ኣዋርሕ (ካላንደር) ክሸይጥ ተታሒዙ። ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ ብጫ ደርሆ-ማይ ምልክት ናይቶም ንደሞክራሲ ዝጽውዑ ዜጋታት ብምዃና፡ እቲ ተግባር ንንጉስ ማሃ ዘነኣእስን ንንግስነት እታ ሃገር ዝዝልፍን’ዩ ክብል ከሲሱ።

ኣብ ታይላንድ፡ ንንጉሳዊ ስድራቤት ዘቋናጽብ ተግባራት ወይ ዘረባ ክሳብ ናይ 15 ዓመታት ማእሰርቲ የፍርድ። ሓያሎ መንእሰያት እታ ሃገር ድማ እዚ ሕጊ ክተርፍን ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ክተኣታቶን ይጽውዑ። ኣብ 2020 ዝነበረ ሓያሎ ህዝባዊ ተቓውሞ’ውን ኣንጻሩ’ዩ ነይሩ።

ሕጂ እታ ሃገር ንምርጫ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፡ ክልተ መንእሰያት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ብምግባር እቲ ጉዳይ ዓለማዊ ኣቓልቦ ክረክብ ይጽውዑ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG