ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊሲ ኢሚግረሽን ትራምፕ ዝተቓወምት ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ሓወልቲ ሓርነት ትሓኩር


ፖሊሲ ኢሚግረሽን ትራምፕ ዝተቓወምት ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ሓወልቲ ሓርነት ትሓኩር
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:40 0:00

ፖሊሲ ኢሚግረሽን ትራምፕ ዝተቓወምት ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ሓወልቲ ሓርነት ትሓኩር

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋን’ዚ ንትኽተሎ ፖሊሲ ኢምግሬሽን ተቓውሞ ንምስማዕ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከብ ሓውልቲ ሓርነት ምሕኳራ ተገሊጹ።

እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣሜሪካ ትኽተሎ ዘላ ፖሊሲ ኢምግሬሽን ተቓውሞ ንምስማዕ ኣብቲ ትማሊ ዝተኸበረ መዓልቲ ነጻነት ኣሜሪካ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከብ ሓውልቲ ሓርነት ምሕኳራ ተገሊጹ።

እታ ‘ተንስእ ተቓለስ’ ዝብል ማልያ ተኸዲና ናብቲ ሓውልቲ ዝሓኾረት ጓል ኣንስተይቲ እቶም ምስ ወለዶም ዝተፈላለዩ ህጻናት ምስ ስድራ ቤቶም ከይተራኸቡ ከምዘይትወርድ ምግላጻ ፖሊስ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ኣገልግሎት ሃገራዊ ፓርክ ጄሪ ዊልስ ንAFP ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኣብ መጀመርያ ክትወርድ ፍቓደኛ ኣይነበረትን” ድሕሪ ምባል ብክስታት ዘይግቡእ ስነ ምግባርን ምጥሓስ ሕግታትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምትርከብ' ውን ሓቢሮም።

እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ሓውልቲ ንኣርባዕተ ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ ምውራዳ’ውን ፖሊስ ወሲኾም ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG