ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንናይ ፕረ.ትራምፕ ፖሊስ ኢምግሬሽን ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ብምስጋር ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው ስደተኛታት ብዝምልከት ወለዲ ካብ ደቆም ዝፈልይ ዘሕልፍዎ ፖሊስ ብምቅዋም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ብቐዳም ኣብ ከተማ ዋሽንግተንን ካልኦት ከተማታትን እታ ሃገርን ሰልፊ አካይዶም። እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ከምዝነበረ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትው ስደተኛታት ብዝምልከት ዘሕለፍዎ “ ዚሮ ቶለራንስ” ወይ “ ብዘይዝኾነ ተጻዋርነት” ዝብል ፖሊስ ደው ከብሉ ዝጠልቡ “ስድራቤታት ክፈላለዩ የብሎምን” ዝብል ጭርሖ ዝሓዙ ሰልፈኛታት ብቐዳም ኣብ ከተማ ዋሽንግተንን ካልኦት ከተማታት ኣሜሪካን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም።

ሓደ ካብ ተሳተፍቲ’ቲ ሰልፊ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ ከምትፈልጥዎ ንሕና ናይ ስደተኛታት ሃገር ኢና፡ ካብ ቕድም’ውን ከምኡ’ዩ ጸኒሑ። ይመስለኒ ሕጂ ድማ ስደተኛታት ምቅባል ከም ሓደ አሉታዊ ነገር ይግለጽ ኣሎ። እዚ ድማ ተቐባልነት ረኺቡ ናብ ክትዕ ምቕራቡ ንባዕሉ ንዓይ ብጣዕሚ ዘገርም’ዩ” ይብል።

እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝጸደቐ ፖሊሲ ንኣስታት 2,500 ህጻናት ካብ ስድራ ቤቶም ፈላልዩ’ዩ። እቲ ፖሊሲ ካብ ህዝቢ ብዝገጠሞ ከቢድ ተቓውሞ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ስድራ ቤታት ዝፈላልይ ፖሊስ ኣብ ሰነ 20 ደው ክብል ወሲኖም። ፈደራል ዳኛ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ወለዲ ካብ ትሕቲ ዕድመ ደቖም ምፍልላይ ደው ከብሉን እቶም ኣቐዲሞም ዝተፈላለዩ ድማ ኣብ ዝተወሰነ መዓልቲ ምስ ስድራ ቤቶም ክራኸቡ ኣዚዞም።

ጠቕላሊ ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካ ጀፍ ሰሽንስ “ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዶብ ሃገርና ዘጋጠመ ቀውሲ ነዚ ስጉምቲ ንምውሳድን ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ብምስጋር ናብዚ ሃገር ዝኣተው ናብ ሕጊ ምቅራብ ዝብል ጻዕሪ ኣላዓዒሉ” ኢሎም።

ወሃቢት ቃል ፕረዚደንት ትራምፕ ሳራ ሃከቢ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ምምሕዳር ትራሞፕ እዚ ሕጊ ከምዝተግብሮን ዶባት እታ ሃገር ከምዝኸላከልን ምሕባራ ይዝከር።

ገለ ካብቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ ፖለቲከኛታትን ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር መቦቀል ገለ ክፋል እቶም ነዚ ውሳነ ዘሕለፉ ስደተኛታት ምኳኖም ክዝክሩ ኣተሓሳሲቦም።

ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ እቶም ካብ ወለዶም ዝተፈልዩ ቆልዑ ኣበይ ከምዘለው ብርግጽ ከምዝፈልጡ እንተገልጹ እኳ ገለ ተሓለቕቲ መሰላትን ኣኽበርቲ ሕጊን ግን ነዚ ክቃወሙ ጸኒሖም’ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG