ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንነዊሕ ዓመታት አባል ሰነት ኣመሪካ ኮይኖም ዘገልገሉ ሃሪ ሪድ ዓሪፎም


አባል ሰነት ኣመሪካ ሃሪ ሪድ
አባል ሰነት ኣመሪካ ሃሪ ሪድ

ኣብ ኣመሪካ መራሒ ኣብዝሓ ኣባላት ሰነት ነበርን ካብ ክፍለ ግዝኣት ናቫዳ ንነዊሕ እዋን ኣባል ኮንግረስ ኾይኖም ዘገልገሉ ሃሪ ሪድ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኦም ኣብ ሃንርደሰን ናቫዳ ዓሪፎም።

በዓልቲ ቤቶም ላንድራ ሪድ ከም ዝበልኦ በዓል ቤተን ድሕሪ ንኣርባዕተ ዓመታት ምስ ሕማም ካንሰር ላሊሽ ክቃለሱ ምጽናሕ ትማሊ ሰሉስ ብሰላም ዓሪፎም ኢለን።

ተጓሳጣይ ደሓር ኸኣ ጠበቃ ዝኾኑ ሃሪ ሪድ ኣብ ኮንግረስ ሓያል ውዕል
ፈጣሪ እዮም ኔሮም።

ኣብ ዋሽንግተን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ እዋን ክልተ ፕረዚደንታት ንሰነት ተቆጻጺሮም ዝነበሩ ኢኮኖሚ ክወድቅን ሪፑብሊካን ኣብ 2010 ኣብ ምርጫ ክዕወቱን ከሎ ዝርኣዩ እዮም። ኣብ 2016 ኸኣ ጡረታ ወጺኦም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ ሞት ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ሰነት ብጻዮም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ንሃሪ "ዝበሎ ዝትግብር" ክብሉ ገሊጾሞም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG