ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ንትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝምልከት መስርሕ ምርኽኻብ`ምበር ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ኣይተወስደን' ሚኒ/ጥዕና ኤርትራ


ብ12 ሰነ 2019 ቤ/ጽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ኣብ ትሕቲኣ ዝጸንሓ ክሊኒካትን ትካላት ጥዕናን ብመንግስቲ ርትራ(ሚኒ/ጥዕና) ከምዝተዓጸዋ፡ንብረተን`ውን ከም ዝተሃገረን ኣብ ውሽጠን ዝነበሩ ሕሙማት ክወጽኡ ከምዝገበረን ዝገልጽ ዝዘርግሖ ጥርዓን፡ ሚኒ/ጥዕና ኤርትራ “ዝተዓጸወ ትካል ጥዕና ይኹን ዝተሃገረ ንብረትን የለን” ክብል ምላሽ ሂቡሎ።

ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዋሺንግተን ኣብ ባይታ ምስ ዘለዉ ጭቡጣት ምንጭታት ብዝገብሮ ርክብ ግን፡ እተን ብቤተክርስትያን ካቶሊክ ኤርትራ ዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና መብዛሕቲኤን ተዓጽየን ካብ ስራሕ ወጻኢ ጠጠው ኢለን ከምዘለዋ`ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ናይተን ትካላት ዝተገብረ ምፍርራሕን ጎነጽን የለን ፡ እቶም ሕሙማት`ውን ናብ ካልእ ትካል ትዕና`ዮም ተሰጋጊሮም ክብል ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት ሚኒ/ጥዕና ኣቶ ታጀዲን ዓብደልዓዚዝ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ሚኒ/ጥዕና ብመሰረት ኣዋጅ 73/1995 ዝድንግጎ ፡ መስርሕ ምርኽኻብ ምሕደራ`ምበር ዝኾነ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከም ዘይተወስደ ኣቶ ታጀዲን ኣፍሊጡ`ሎ።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ብርነ በርሀ ምስ ኣቶ ኣቶ ታጀዲን ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG