ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንትሽዓተ ኣዋርሕ ተኣሲርና ዝበሉ 1,300 ተወላዶ ትግራይ ተፈቲሖም


ንትሽዓተ ኣዋርሕ ተኣሲርና ዝበሉ 1,300 ተወላዶ ትግራይ ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:24 0:00

ንትሽዓተ ኣዋርሕ ተኣሲርና ዝበሉ 1,300 ተወላዶ ትግራይ ተፈቲሖም

1,300 ምዃኖም ዝገለፁ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሮምዎ ካብ ዝነበሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ተፈሊጡ።ቪኦኤ ካብ ዘዘራረቦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ከምዝበሉዎ ካብ ዓፋር፣ኣዲስ ኣበባን ካልኦትን ከባቢታት ተለቒሞም ዞባ ሃዲያ ሾኔ ኣብ ዝተብሃለ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ ዩኒቨርስቲ ዋቸሞ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ‘’ዝኸፍአ ኩነታት’’ ተታሒዝና ዝተኣሰርናሉ ምኽኒያት ከይተነገርናን ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረብናን ኣዲስ ኣበባ ኣምፂኦም በቲኖምና ይብሉ።

ካብ ኮሚሽን ፌደራል ፖሊስ፣ህዝቢ ርክብ ምንስቴር ፍትሒን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያን ጉዳያት መብርህን ሪኢቶን ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ተቖፂሩ ይሰርሕ ከምዝበረ ዝገለፀ ወዲ 36 ዓመት መረሳ ኣባዲ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ዓፋር ሚሌ መፈተሺ ኖቕጣ ካብ ካልኦት ፈሊዮም ኣኪቦም ወሲዶምና ይብል።

መጀመሪያ ዝኣሰሩዎም፣ዓጂቦም ዝወሰዱዎምን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ይሕልውዎም ዝነበሩን ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣኪቦም ዘምፅእዎምን ናይ ፌደራል ፖሊስ ምዃኖም ይገልፁ።

ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈቲሕና ዝበሉ ወሃብቲ ሪኢቶ ተአሲሮምሉ ዝነበሩ ከባቢ ዱርን ዝኾነ ይኹን ዝሓትት ሰብ ዘይርከበሉን እዩ ይብሉ።

ኣብ ፈላማይ ዙር ብትሽዓተ መካይን ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ብ10 ኣውቶቡስ ተፃዒኖም ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከቡዎም 1,300 እሱራት ከምዝኾኑ መረሳ ይገልፅ።

ዝተኣሰርሉ ምኽኒያት ብግልፂ ከምዘይተነገሮም ዝዛረብ መረሳ ብትግራዋይ መንነትና እዮም ኣሲሮምና ይብሉ።ናይዚ መርኣያ ድማ ኩላትና ትግርኛ ተዛረብቲ ጥራሕ ኢና ነይርና ይብል።

ንትሽዓተ ኣዋርሕ ዝሓተተናን ዘዘራረበናን ኣካል ኣይነበረን ፤ኣብ ማዕልቲ ን21 ስዓታት ካብ ዝተኣሰርናሉ ክፍሊ ክንወፅእ ኣይፍቀደልናን፤ብበትሪ ይቕጥቅጡና ነይሮም ይብሉ።

ካብቶም እሱራት 130 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ነፍፀ ፁራትን ወዲ ክልተ ዓመት ህፃን ዝሓዘት ሓዊሱ ኣዴታት ከምዝርከበአንን ይገልፁ።ወለዲ ዘይብሎም ናይ 12 ዓመት ቆልዑ እውን ነይሮም ይብሉ።

ትውልዲ ዓዳ ኣብ ደቡብ ትግራይ ከተማ ወጀራት ምዃና ዝገለፀት ሕልፊ አሰፋ ሃደራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንኽልተ ኣዋርሕ ታአሲራ ናብ ሃገራ ምስ ተመለሰት ‘’ብዘይፈልጦ ምኽኒያት ኣብ ኢትዮጵያ እውን ማእሰርቲ ተፀቢዩኒ’’ትብል።ምስ ካልኦት ብምዃን ናብ ትግራይ ንምኻድ ብምሕሳብ ናብ ዓፋር ተጓዒዞም ኣብ ዋና ከተማ እቲ ክልል ሰመራ 5 ሓምለ 2013 ዓ.ም ሓይልታት ፀጥታ ንዕዓን መሓዙታን ካብ ዝደቀሱሉ ሆቴል ለይቲ መፂኦም መፍለልይ መንነቶምን ናይ ኢድ ስልክታቶምን መንጢሎም ናብ ክልል ደቡብ ከምዝወሰዱዎም ትዛረብ።

ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወለዳን ክልተ ብፁሓት ነፍሰ ፁራት ድማ ከምዝነበራ ትዛረብ።

4 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ካብ ዝተኣሰርሉ ብ17 ኣውቶቡሳት ጽዒኖም ክወስዱዎም ከለው ናበይ ከምዝወስዱዎም ከምዘይተዛረቡዎም ፣ንዝዓጀቡዎም ፖሊሳት እንተሓተቱዎም እውን ዝፈልጡዎ ከምዘየለ ከምዝገለፅሎምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቃልቲ ከምዝበተኑዎምን ይገልፁ።

ኣውስትራሊያ ፣ካናዳ ፣ዴንማርክ ፣ዘ ኔዘርላንድ ፣ኢንግሊዝን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንነት መሰረት ዝገበረን ብዘይ ክስን ማእሰርቲ ይፍፅም ከምዘሎ ብምግላፅ ከምዘተሓሳሰበን ገሊፀን ነይረን።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ግን ብትግራዋይ መንነቶም ዝተኣሰሩ የለውን ክብሉ ኣሉታ ክህቡሉ ፀኒሖም እዮም።

XS
SM
MD
LG