ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንተሸላሚ ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምቕባል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተፈሊጡ: ኣብ ኦስሎ ድማ ስነ ስርዓት ምውላዕ ሽምዓ ተካይዱ


ንተሸላሚ ኖበል ሰላም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ፅባሕ ሓሙስ ንምቕባል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓብይ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተፈሊጡ።ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ኦስሎን ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያን እቲ ሽልማት ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ዘለዎ ትርጉም ዝለዓለ እዩ ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው።

ወሃቢት ቃል ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ት ፌቨን ተሾመ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ መግለፂ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ “ኣቀባብላ ጅግና”ክግብረሎም እዩ ኢለን።

“ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ክበፅሑ ከለው ናይ ጅግናን ክብርን ኣቀባብላ ንምግባር ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባ ምድላው ገይሩ’ሎ።ዝተፈላለዩ ፍሉጣት ሰባት፣ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ሰብ ሃብቲን ዲፕሎማትን ንዕኦም ንምቕባል ተዳልዮ ኣለው።”

ስነ ስርዓት ምውላዕ ሽምዓ ንክብሪ ሽልማት ኖበል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:27 0:00

ወ/ት ፌቨን ብተወሳኺ እቲ ሽልማት ንኩሎም ፈተውቲ ሰላም ኢትዮጵያዊያን ዝተወሃበ ሽልማት እዩ ኢለን ከምዝኣምናን ከም ሃገር ዝተረኸበ ክብርን እዩ እውን ኢለን።

“ምስሊ ኣብ ምህናፅ ዝለዓለ ኣበርኽቶ ዘለዎ ስለዝኾነ ዓለም ገፁ ናብና ኣዚሩ ክርእይ ዝለዓለ ዕድል ዝፈጠረ ኣጋጣሚ ምስ ምዃኑ፣ናብ ከተማና ዋሕዚ ቱሪዝም ንምውሳኽ ኣማራፂታት ወፍሪ ንምርካብ ዕድል ዝህበና ምስ ምዃኑ እዚ ሽልማት ንዓና ዓብዪ ትርጉም ከምዘለዎ ኢና ንኣምን።”

እቲ ስነርስዓት ኣቀባብላ ፅባሕ ንጉሆ ካብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ክሳብ ሃገራዊ ቤተ መንግስቲ ከምዝካየድን እቲ ምድላው እውን ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትርን ከምዝካየድ ገሊፀን።

ነበርቲ፣መናእሰይን ማርሽ ባንድታትን ከምኡ እውን ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ንኣቀባብል ምድላው ይገብሩ ምህላዎም ወ/ት ፌቨን ገሊፀን።

ኣብቲ ስነርዓት ኣቀባብላ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ክርከቡ ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ታከለ ኡማ ብቲዊተር ፀዊዖም ኣለው።

ብኻልእ ዜና ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሽልማቶም ምስተቐበሉ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኣብዝርከብ ግራንድ ሆቴልን ከባቢኡን ዝተርኣየ ልሙድ ፍፃመ እንተኾነ እውን ናይ ትማሊ ግን ዝተፈለየን ዝደመቐን፣ኖርዌጃዊያንን ከይተረፉ ንኢትዮጵያ ትኹረት ዝሃቡሉን ከምዝነበረ ኣብኡ ዝነብሩን ኣብ ስነስርዓት እቲ ሽልማትን ዝተረኸቡን ክልተ ኢትዮጵያዊያን ገሊፆም።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ናይ ኖርዌይ ክርስቲያን ካውንስል ኣማኻሪ ጉዳያት ስደትን ፍልሰተኛታትን ኣቶ ለማ ደስታን ኣብ ኖርዌይ ኣቦ መንበር ሓባራዊ መድረኽ ኢትዮጵያዊያን ኣቶ ጌታቸው በቀለን ንተሸላሚ ኖቤል ሰላም ንምኽባርን ተሸለምቲ ንዝገብሩዎ ኣበርክቶ ድጋፍ ንምሃብን ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ስነስርዓት እዚ ናይ ሎሚ ዝደመቐን ፍሉይ ትርጉም ዘለዎን እዩ ኢሎም።

ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ማእከል ጎደነታት ኦስሎ ብሙዚቃን ብካልኦት ናይ መነቓቕሒ መደረታትን ተዓጂቡ ተሸላሚ ናብ ዝዓርፍሉ ሆቴል ብምትእኽካብ ናይ ሽምዓ ምውላዕ ስነ ስሮኣት ከምዘካየዱን ነዚ ዘዳለዎ እውን ናይ ኖርዌይ ናይ ሰላም ካውንስል ምዃኑን ኣቶ ለማ ገሊፆም።

ቅድሚ ሎሚ ንዝነበሩ ሽልማታት ከምዝተዓዘቡ ዝገለፁ ኣቶ ጌታቸው በቀለ እቲ ናይ ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያዊያን ዝተፈለየ ድባብ ፈጢሩሎ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያዊን ኤርትራን ባንዴራታት ሒዞም ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ዝዓረፍሉ ግራንድ ሆቴል ዝተጉዓዙ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኢትዮጵያዊያን ኤርትራዊያንን ኖርዌጃዊያንን ዝርከቡዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምንባሮም ገሊጾም።

ኣቶ ለማብተወሳኺ ከምዚ ኢሎም።

“እቲ ናይ ትማሊ ንብዙሕ እዋን ክናፍቖን ክንምነዮን ዝፀናሕና፣ኣብ መዋእልና ክኸውንዶ ይኸውን እንብሎ ብልሙድ ኣፅዋውዓ ናይ ኢትዮጵያ ትንሳኤ ተባሂሉ ዝንገር ብዘይእመን መልክዑ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ዝተመስከረሉን ዝተዘከረሉን መድረኽ እዩ ነይሩ።ሃገርና ክብራን ሽማን ልዒሉ ክርኣይ ገይሩ’ሎ።”

ኣቶ ለማ ነዚ ኹሉ ምኽንያት ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዓለም ዝግባእ ክብደትን ትኹረትን ክርእዮ ገይሩ ‘ሎ፤ታሪኽ ዝተሰርሓሉ ዕለት እዩ ኢሎም ።

እዚ ናይ ትማሊ ስነ ስርዓት ሽልማት ዝሃቦም ትርጉም ክገልፁ ዝተሓተቱ ኣቶ ጌታቸው በቀለ ብወገኖም “ትማሊ ብሓቂ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ምናልባት እውን ኣብቶም ዝሓለፉ 50/60 ዓመታት ውሽጢ ካብ ዘሕለፈቶምን ኣብ ዓለም ተፅዕኖ ካብ ዝፈጠረትሎምን ዕለታት ክጥቀስ ዝኽእል እዩ”።

ኣቶ ደረጀ ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ተሸላሚ ምዃኖም ኣብ ኢትዮጵያ ብትሩዚም፣ብኢንቨትመንት፣ተስማዕነትን ዲፕሎማስን ኩሎም ዓብይ ትርጉም ክህልዎ እዩ ኢሎም ።

ኣብቲ ስነስርዓት ተቓውሞ ዘስምዑ ሒደት ሰባት ምንባሮም ብሓሳብ ምፍላዮም ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን ዝበሉ ክልቲኦም ወሃብቲ ርእይቶ እቲ ቀንዲ ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም ዝተውሃበ ሽልማት ብምዃኑ እቲ ዕለት ዓብዪ ነይሩ ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሽልማት ስላም ምቕባሎም ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ዘለዎ ትርጉም ዝለዓለ እዩ ኢሎም ንሪፖርተራት ድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶታቶም ዝሃቡ ነበርቲ ከተማ ድሬዳዋ፣ሃዋሳ፣ኣዳማን ኣምቦን ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG