ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝሕግዝ ምህዞ


ገብረሚካኤል ኣብርሃ
ገብረሚካኤል ኣብርሃ

ተማሃሮ ካልኣይ ብርኪ ናይ ሽዱሽተ ዓይነት ትምህርቲ በብሰሙን ሕቶታት እናቕረበ ክለማመዱ ዝገብር ኣፕሊኬሽን (መተገብሪ) ተማሂዙ።

እዚ ኣፕ 15 ሽሕ ሕቶታት ትምህርቲ ምስ መልሶም ኣብ ዓመት ብምቕራብ ተማሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክነፍዑን ምስ ቴክኖሎጂ ክላለዩ ዝገብር እዩ።

ኣብ ሬድዮ በብሰሙን ዝመሓላለፍ ናይ ተማሃሮ ሕቶን መልስን ውድድራት የካይድ ነይሩ። እዚ ውድድር ሕቶን መልስን ዝበዝሕ ዝከታተልዎ ኣብ ገጠር ዝርከቡ ተማሃሮ ምዃኖም ብመፅናዕቲ ተረጋጊጹ።

በዚ ድማ ኣብ ከተማ ዝርከቡ ተማሃሮ ተጠቀምቲ ዝገብር ኣሰራርሓ ንምምሃዝ ምስ መሓዝቱ ኮይኑ ፃዕሪ ተጀሚሩ። ገብረሚካኤል ኣብርሃ ይበሃል ኣብ ትግራይ ዝሐሸ ናይ ኢንተርኔት ዝርገሐን ምጥቃም ዘመናዊ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ምህላዉ ብመፅናዕቲ ኣረጋጊፅና ይብል።

በዚ ድማ እቲ ዝተኣታተወ ቴክኖሎጂ ተማሃሮ ንትምህርቶም ናብ ዝጥቀምሉ ኣሰራርሓ ንምእታው "ተማሃሮ ዶት ኮም" ዝብል መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ብምምሃዝ ናብ ተግባር ኣትዩ ኣሎ። "ተማሃሮ ዶት ኮም" ካብ ታሽዓይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ዝመሃሩ ተማሃሮ ብተንቀሳቓሲ ስልኪ ወይ ድማ ብኮምፑተር ኢንተርኔት ብምጥቃም ዓርሶም ብፈተና ዝፍትሽሉ እዩ።

ገብረሚካኤል እቶም ሕቶታት በበሰሙን ሓደሽቲን ኣብቲ ሰሙን ተማሃሮ ዝተምሃርዎ እዮም ይብል።

ዛጊድ ልዕሊ 1800 ተማሃሮ ብነፃ ኣገልግሎት ይጥቀሙ ኣለዉ ዝበለ ገብረሚካኤል ብቐፃሊ ግና ብቪድዮ ዝሓወሰ ትምህርቲ እውን ብምድላው ካልኦት ተወስኽቲ ሓገዝ ትምህርቲ ብምሃብ ተማሃሮ ከፊሎም ዝጥቀምሉ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ተሊምና ኣለና ኢሉ።

ኣብ ዓመት 15 ሽሕ ሕቶታት ዘቕርብ "ተማሃሮ ዶት ኮም" እቶም ሕቶታት ድማ ብንፉዓት መምህራን ዝሰናድኡ ምዃኖም እዩ ዝዛረብ።

"ተማሃሮ ዶት ኮም" ምጥቀም ካብ ዝጀመሩ ሓደ ተምሃራይ 10 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ኣለነ መቐለ መሓሪ ሕሉፍተ እዩ። እዚ መተግበሪ ብምጥቃም ኣብ ትምህርቱ ንባዕሉ ክፍትሽ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ምስ ቴክኖሎጂ ክላመድ ሓጊዙኒ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝሕግዝ ምህዞ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:37 0:00

XS
SM
MD
LG