ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ተማሃሮ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ባህልን ልምድን ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምልላይ ይሰርሕ


ኣብ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ተማሃሮ ብሓባር ብምዃን ኣብ ምልላይ ባህልን ልምድን እዘን ሃገራት ዝነጥፍ ሓደ ትካል መስሪቶም ኣለው። ዕላማ’ቲ ትካል እዞም ካብ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ዝተወልዱ ተማሃሮ ብሓባር ብምዃን ንባህላዊን ማሕበራዊን ኣካዳሚያዊን ድልየታቶም ንምምላእ’ዩ።ብተወሳኺ እቲ ትካል ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ’ቲ ዩኒቨርሲቲን ኣብቲ ክፍለ ግዝኣት ዝነብሩ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን መራኸቢ ድልድል ኮይኑ ዘገልግል’ዩ።

እዚ ትካል መዓስን ንምንታይ ዕላማ ከምዝተመስረተ ናይ ሎሚ ዓመት ፕረዚደንት’ቲ ትካል ኖሃ ዩውሃንስ ከምዚ ክብል ድሕረ ባይታ’ቲ ትካል የረድእ።

“እዚ ትካል ኣብ መጀመርያ 90ታት ብኤርትራዊያን ዝተጀመረ ኮይኑ ምስ ምልቃቕ እቶም ኤርትራዊያን ተማሃሮ ፈሪሱ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2009 ከም ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ማሕበር ተማሃሮ ብምዃን ዳግም ተመስሪቱ። ድሕሪኡ እንዳዓበየ ብምምጻእ ሎሚ ዓመት ናብዚ ዩኒቨርሲቲ ዝመጹ ተማሃሮ ድማ ነቲ መንፈስን ዕላማ’ቲ ትካል ብምሕዳስ ዳግም ክወደብ ጌሮም። እንተኾነ ግን እዚ ትካል ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል ኮይኑ ቀንዲ ስርሓቱ ድማ ገንዘብ ብምትእኽካብ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኾነ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ዝተፈላለየ ናይ ግብረ ሰናይ መዓላ ንምውዓል’ዩ።ኽሳብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓመት ሓንሳብ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝካየድ ብናይ ቡን ምሸት ዝፍለጥ ሓደ ምትእኽኻብ ጥራይ’ዩ ኔሩና ሎሚ ዓመት ግን “ብእንጀራ ዝዓበና” (Raised on Injera) ዝተባህለ ባህላዊ ምትእኽካብ ጀሚርና ኣለና።”

እቲ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ትካል ገንዘብ ብምትእኽካብ ኣብ ዝተፈላለየ መዓላ ምውዓል ከም ምዃኑ መጠን ክሳብ ሕጂ ንዝሰርሕዎም ስርሓት ብዝምልከት ሓደ ካብቶም ተማሃሮ ዝኾነ ዓድል የረድእ።

ብዛዕባ’ቲ መጋቢት 30 ዝተኻየደን ምትእኽካብን ብሓፈሻ ድማ ግብረ መልሲ ነበርቲ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ነበርቲ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ብዝምልከት እውን አባላት’ቲ ትካል ርእይትኦም ሂቦም ኣለው።

እቲ ትካል ብብዝሒ ዝነጥፈሉን ዝፍለጠሉን ባህላዊ ሳዕስዒት’ዩ። መብዛሕትኦም አባላት’ዚ ትካል ድማ ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ’ውን ብንእስነቶም ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ከምምዃኖም መጠን ነዚ ባህላዊ ሳዕስዒት ብኸመይ ከምዝለማመድዎን ዘጽንዕዎን ሓቲተዮም፡ ኣብዚ ጉዳይ ብብዝሒ ስለዝሰርሕ ኣነ ክምልስ ዝበለ ኖሃ ኣብ ባህላዊ ሳዕስዒት ኢትዮጵያ ኣነን ሰላምን ክንሰርሕ ከለና ኣብ ባህላዊ ሳዕስዒት ኤርትራ ድማ ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ትካል ልዋም ኣብርሃ ከምተዳልዎ ብምግላጽ “እዚ ሳዕስዒት ብሰብሞያ ዝተዳለወ ኣይኮነን ግን ኸአ ካብ ንርእዮ ናይ ሙዚቃ ስርሓትን ነኻይዶም መጽናዕትታትን ብምውካስ ኢና ነዳልዎ “ ይብል። ንሱ ብምውሳኽ መብዛሕትኡ ጊዜ ንባህላዊ ሙዚቃታት ከምዝሰምዕን ሙዚቃታት ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን ምስ ግጥሚ’ቲ ሙዚቃ ዝመሳሰል ታሪኽ ዝነግር ሙዚቃዊ ምንቅስቃስ ብምድላው ምስቲ ሳዕስዒት ብምውሃድ ንምርኢት ከምዘቕርብዎ የረድእ።

ሰላም ብወገና “ዋላ’ኳ ኣብ ሳዕስዒት ንነጥፍ ሰብ ሞያ እንተዘይኾና ነቲ ሳዕስዒት ልኽዕ ከምቲ ሓቐኛ ናይቲ ሕብረተሰብ ሳዕስዒት ክመስል ንጽዕር ኢና ምክንያቱ ዕላማና ነቲ ባህላዊ መንነት ኽብሪ ንምሃብን ንምፍላጥ’ዩ” ትብል።

እዚ ትካል ኣብ ዘዳልዎም ምር ኢታት ንዝቐርቡ ሳዕስዒታት ምዕራባዊ ወይ’ውን ዘመናዊ ቅዲ ሳዕስዒት ይሕውሱ እንተኾነ ንዘቕረብኹሎም ሕቶ መርገጺና ነቲ መቦቀላዊ ባህላዊ ሳዕስዒት ንምፍላጥን ክብሪ ምሃብን ስለዝኾነ ዘመናዊ ኮነ ምዕራባዊ ሳዕስዒት ኣይንጥቐምን ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብቲ በብእዋኑ ዘዳለውዎ ምርኢታት ናይ ሙዚቃ መሳርሒ፡ ግጥምታትን ገለ ደረፍቲ አባላት’ቲ ትካል ስርሓቶም ከምዘቕርቡ ኖሃ ይገልጽ።

ኣብ መወዳእቲ ኣብ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ጊዜ ምርኢት ንምድላዎ ዘድልይ ምቕርራባትን ምስ’ቲ ኩላቶም አባላት’ቲ ትካል ተማሃሮ ምዃኖም ምስ ትምህርቶም ብኸመይ ከምዘዋህድዎ ንዘቕረብኹሎም ሕቶ ሰላም “ ብርግጽ ብጣዕሚ ብዙሕ ጊዜ ዝወስድ መስርሕ’ዩ ብፍላይ’ቲ ሳዕስዒት ግን ኸአ ንክልቲኡ ብኸመይ ኣመዓራሪኻ ትኸይድን ቀዳምነታት ምፍላጥን ድማ ኣገዳሲ’ዩ።ንኹሉ ንጥፈታትና ድማ ብመደብ ኢና ነኻይዶ ዝበዝሓ ካብቲ ነጻ ጊዜና ኣብ ንጥፈት’ዚ ትካል ኢና ነሕልፎ ግን ኸአ ውጽኢታዊ’ዩ” ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG