ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ኣመሪካዊ መሃንድስ ሶፍትወር ምስ ዘዳለዋ ፊደላት ግእዝ እተላሊ ምህዞ


ኤርትራዊ ኣመሪካዊ መሃንድስ ሶፍትወር ምስ ዘዳለዋ ፊደላት ግእዝ እተላሊ ምህዞ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:57 0:00

ኤርትራዊ ኣመሪካዊ መሃንድስ ሶፍትወር ምስ ዘዳለዋ ፊደላት ግእዝ እተላሊ ምህዞ

ንቘልዑ ፊደላት ግእዝ እተላልይን ምንባብ ቋንቋ ትግርኛን ኣምሓርኛን እናመሃረት እተዘናግዕ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ሶፍትዌር መሃንድስ ፊልሞን ኣብርሃ ምሂዙ።

ፊልሞን ነዚ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ መጀመርያ ንደቁ ቋንቋ ትግርኛ መምሃሪ ኢሉ ዘዳለዎ ኮይኑ ድሒሩ ግን ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዘለው ሰብ ሞያን ካልኦትን ከምኡ'ውን ካብ ደቁ ብዝረኸቦ ግብረ-መልሲ ነቲ ጸወታ ብናጻ ኣብቲ ንሱ ንመምሃሪ ኢሉ ዘዳልዎ መርበብ ሓበሬታ መና ክርኤቲቭ(Mena Creative) ከም ዝዘርግሖ ይዛረብ።

እቲ ጸወታ ካብ ምልላይ ፊደላትን ምንባብን ሓሊፉ ቈልዑ ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰቦም ክርድኡን ክግንዘቡን ከም ዘኽእል ገይሩ ከም ዝተማሃዘ ፊልሞን የረድእ።

ፊልሞን ወሲኹ እዚ ጸወታ፡ ቈልዑ ተቐበልቲ ጥራይ ከይኮኑ ኣብ ምህዞ'ቲ ጸወታ ክሳተፉ ናይ ኮዲንግን ዲዛይን ትምህርቲ ኣብ ዝቕጽል ክፋላት'ቲ ጸወታ ክስዕብ ምዃኑ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG