ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንቕትለት አባል ፖሊስ ዝቓወሙ ፖሊስ ሃይቲ ናይ ተቓውሞ አድማ የካይዱ


ኣብ ሃይቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ፖሊስ ፡ ንቕትለት ብጻዮም ተቓውሞኦም ንምርኣይ ትማሊ ናብ ጽርግያታት ወጺኦም ኣድማ ኣብ ዝገበርሉ እዋን፡ ኣብ ርእሰ-ከተማ ፖርት ኣውፕሪንስ ፍርሒ ተዘሪኡ ኔሩ። ጸሊም ግን ድማ፡ ብጻዕዳ ፖሊስ ዝብል ዝተጻሕፎ ማልያ ዝተኸደኑ ፖሊስ ንመንበሪ ገዛ መራሒ`ታ ሃገር ኣሪል ሀንሪ ኣጥቂዖም ኔሮም፡ ግን ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ንጹር ኣይኮነን።

ፖሊስ ብዕጡቓት ንዝተቐትለ ብጻዮም`ዮም ዝቃወሙ ኔሮም። ድሕሪኡ ድማ ፕረዚደንት ኣሪየል ካብ ዋዕላ ላቲን ኣመሪካ ይምለስ ስለዝነበረ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቕኒዖም።

እቶም ኣድማ ዝወጹ ፖሊስ “ናዕቢ ከነልዕል ኢና፡ ደም ክንፋሰስ ኢና፡ ኣሪል ምስ`ቶም ሸፋቱ ውዕል እንተፈሪሙ” ይብሉ ኔሮም።ንሶም ብዙሓት ብጾትና ብሸፋቱ እናተቐተሉ፡ ብጩቕ ኢሉ ኣይፈልጥን ብምባል ይኸሱ።

ትማሊ ሓሙስ ናብ ገዝኡ ዝተመልሰ መራሒ ሃይቲ ኣሪል ሀንሪ ድማ “15 ኣባላት ፖሊስ ኣብ ሓደ ወርሒ ተቐቲሎምና፡ ድሕሪ ኣምላኽ ፖሊስ`ዮም ዝስርዑ፡ ኣብ ጎኒ ኣባላት ፖሊስና ኣለና” ዝብል ዘረባ ኣስሚዑ።

XS
SM
MD
LG