ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ሎሚ ኣብ ኮንሶ ሰልፊ ተኻይዱ


ኮንሶ- ፋይል
ኮንሶ- ፋይል

ኣብ ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታትን ኮንሶ ከተማ ካራት ንቀዳማይ ሚንስተር ንለውጥን ንምድጋፍን ሎሚ ሶኑይ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።ናይ ኮንሶ ምምሕዳር ብደጃ ዞባ ንኽጣየሽን ሎሚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ንኽፍትሑ ሓቲቶም ኣለው።

ኣብቲ ከተማ ካራት ዝተኻየደ ሰልፊ ካብ ዝተሓባበሩ ሓደ ኣቶ ገመቹ ገንፌ ካብ ዕላማታት’ቲ ሰልፊ ዝበልዎም ገሊጾም።

ንለውጢ ብምድጋፍ ምስ ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይን ናይ ለውጢ ሓይሊን ደው ምባል ዝብል ሓደ ዕላማ እዩ፣ካልኣይ ድማ ህዝቢ ኮንሶ ናብ ዞባ ክዓብይ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዘቕረቦ ምሉእ ሕቶ ክሳብ ሕዚ ምላሽ ስለዘይተውሃቦ ክሳብ እዚ ናይ መወዳእታ በጀት ዓመት ግብራዊ ክኸውን ንምሓታት እውን እዩ እዮም ዝበሉ።

ናይታ ከተማ ምምሕዳር ብወገኖም እቲ ሰልፊ ብዘይፍቓድ ብሓይሊ እዩ ተኻይዱ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ሎሚ ኣብ ኮንሶ ሰልፊ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:33 0:00

XS
SM
MD
LG