No media source currently available
ንሸሞንተ ኣዋርሕ ደሞዞም ዘይተኸፍሉ መምሃራን ዩኒቨርስታት ትግራይ ድምጾም የስምዑ
መሕተሚ
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ መምሃራንን ሰራሕተኛታትን ኣርባዕተ ዩኒቨርስታት ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ደሞዞም ኣይተኸፍሎምን። እዚ ምስ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት ኣብቲ ክልል ተወሲኹዎ ነቶም መምሃራን፡ ስድራቤቶምን ከይዲ ትምህርቲን ብኸቢድ ጸልዩ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ነቶም ማሕበር ዝመሰረቱ ተወከልቲ ዩኒቨርስቲ ኣዘራሪብናዮም ኣለና ።