ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ንስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ትካል ጽቡቕ ገስጋስ ይገብር ከም ዘሎ ኣመልኪቱ


“ስደተኛ ጓል-ኣንስተይቲ” ካብ ዝብል ናይ እንግሊዘኛ ቃላት ኣዋሲቡ፡ “ረፉሺ” ዝብል ስያመ ዘለዎ፡ ኣሜሪካዊ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ ንስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኬንያ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝህብ’ዩ። ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እተን ኣዝየን ዝተሃስያ ኣካል ሕብረተሰብ ደቂ ኣንስትዮ’የን። ስለዚ እምበኣር’ዩ፡ እዚ ረፉሺ ዝተባህለ ትካል፡ ኣተኵሮኡ ኣብ ኬንያ ንዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን ስደተኛታትን ብምግባር ዝሰርሕ ዘሎ።

ካብ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ስፍራ፡ ኣስታት 20 ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ንትምህርቲ ኮምፕዩተር ክከታተላ ይርኣያ። ኣብ መንጎአን ካብ ሶማል ዝተሰደደት ጓል 20 ዓመት ፋርቱማ ጋራድ ትርከበን። ፋርቱማ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት’ያ፡ ኣብ ሃገራ ድሕሪ ዝወረደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ሃዲማ ናብ ኬንያ መጺኣ።

ሎሚ ብሳላ ግብረ-ሰናይ ትካል ረፉሺ ምስቶም ውጻእ-መዓት ስድራ ክትራኸብን ክትመሃርን ዕድል ረኺባ ኣላ። ፋርቱማ ብቓላታ፤“ኣብ እዋን ውሸባ ቴለፎን ተዋሂቡና ካብ ገዛና ንመሃር ኔርና። ምስ ረባሺ ድምጺ ጎረባብቲን ተደጋጋሚ ምቍራጽ መስመር ቴለፎንን፡ እቲ ትምህርቲ ምክትታሉ ምቹእ ኣይነበረን። ምሉእ ኣተኵሮ ምግባር ኣጸጋሚ ነይሩ። እቲ መምህር እንታይ ይብል ምንባሩ ንምስዓቡ’ውን፡ ብቴለፎን ቀሊል ኣይኰነን።”

ብሰንኪ ዝህልወን ተጽዕኖ፡ ካብ ትምህርቲ ዝያዳ ዝበዅራ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን፡ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ንምምላእ፡ ረፉሺ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ዝሕግዝ’ዩ። ክወርደን ዝኽእል ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ድጋፍ ንምሃብ እቲ ትካል’ውን ይሰርሕ’ዩ።

ሓላፊ ትካል ረፉሺ ኣብ ኬንያ ዝዀነ ጆፈሪ ቲግ፡ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንደቂ ኣንስትዮ ዝወርደን ዝነበረ በደላት ከም ዝበኣሰ ይገልጽ። እቲ ሽግር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዕጽፊ ምዃኑ ድማ ይውስኽ። ድኽነት ብዘስዕቦ ድፍኢት፡ ናብ ምንዝርና ክኸዳ ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘሎ’ዩ ቲግ ይገልጽ።

ትካል ረፉሺ እምበኣር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ትምህርቲ መደባቱ፡ ንኣደታት ምስ ደቀን ውሕሰነት ኣብ ምሃብን መዕቆቢ ኣብ ምቕራብን ይነጥፍ።

ኢትዮጵያዊት ደራ ኣንያንኛ ካብ ጓል ክልተ ዓመት ኣትሒዛ’ያ ምስ ስድራቤታ ኣብ ኬንያ ትቕመጥ ዘላ። ብሳላ ትካል ረፉሺ ሕልማ ሰሚሩስ ናይ ኮምፕዩተር ኣርቃቒት (ኮምፕዩተር ፕሮግራመር) ክትከውን ከም ዝኸኣለት ትሕብር። ብሰንኪ ሰንኮፍ ኣረኣእያ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕልመን ከየተግብራ በዂረን ምጽናሐን ድማ ትጠቅስ።

“ከም ደቂ ኣንስትዮ፡ እሞ ከኣ ስደተኛታት ኣብ ገዛ ኴንና፡ ስራሓት ገዛ ክንዓምም፡ ክንምርዖን ክንወልድን ድሕሪኡ ድማ ደቂና ከነዕቢ’ዩ እቲ ዝጸንሐ ትጽቢት። መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ድማ ካብዚ ዓንኬል’ዚ ኣይወጻን’የን። ስለዚ ከኣ’ዮም ደቂ-ተባዕትዮ ልዕሌና ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዝረኽቡ።”

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ 80,000 ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ ኬንያ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ኣስታት 80% ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም እቲ ትካል የvልክት።

ብመሰረት ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኬንያ ዝዀነት ኢጁን ብዩን ድማ፡ ብሰንኪ ባህሊን ካልእ ተጽዕኖታትን፡ ተሰከምቲ ኣደራዕ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት’የን። ብእኡ ምኽንያት ድማ ትብል እታ ወሃቢት ቃል፡ ብዙሓት ካብኣተን ኣደዳ ትሕቲ-ዕድመ መርዓን ምቍራጽ ትምህርቲ ይዀና።ረፉሺ እምበኣር ነዚ ሃጓፍ’ዚ ኣብ ምዕባስን ምቅላልን’ዩ ይጽዕር ኣሎ።

XS
SM
MD
LG